ንስራሕቲ መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ጠጠው ዘበለ ምስሕሓብ ሎሚ’ውን ናይ ምፍታሕ ምልክት ኣየርአየን።እቲ ምዕፃው ካልኣይ ማዕልቱ ኣብዝሓዘሉ ሎማዕንቲ ረቡዕ ሪፓብሊካዊያንን ዴሞክራሲያዊያንን ኣባላት ቤት ምኽሪ ነንሕድ ሕዶም ይካሰሱ ኣለው።ብዙሓት ኣሜሪካዊያን ግን ንኽልቲኦም ኣብ ምውጋዝ ይርከቡ።
ኣብ ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ዝተፈጠረ ናይ ፓርቲ መስመር ዝሓዘ ጭቕጭቕ ንብዙሕ ነገር ተንኩፉ’ሎ።ኣሜሪካዊያን ኣብ ልዕሊ ወከልቶም ዘለዎም እምነት እውን ብዝበለፀ ተሸርሺሩ’ሎ።
"Obamacare," ብዝብል ስም ዝፍለጥ ፕሬዝዳንት ኦባማ ዝፈረምሉ ናይ ጥዕና እንሹራንስ ንዘይብሎም ንሚሊዮናት ዕድል ዝህብ ሓድሽ ሕጊ እቲ ቀንዲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ እዩ።ሪፓብሊካዊያን ኣባላት ኮንግረስ እቲ ሕጊ ንክቕየር ወይ ድማ እንተወሓደ ንኽፀንሕ ድልየት ኣለዎም።
ፕሬዝዳንት ኦባማ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ግን ብሪፓብሊካዊያን ዝቐረበ ካሕሳ ኢሎም ንዝፀውዕውዎ ሕቶ ኣይህብን እየ ኢሎም።እቲ ሕጊ ብኮንግረስ ዝፀደቐ ስለዝኾነ ምስ ጉዳይ በጀት ዘራኽብ የብሉም ኢሎም ፕሬዝዳንት ኦባማ።
ከምዚ ብምባል ‘’መዕልቦ ዝረኸብ ምርጫ ዳግም ግጥም ብምልዓል ወይ ኣይዶሎጂያዊ ሕቶታት ብምቕራብ ንፅቡቕ ሽም ዩናይትድ ስቴትስ ንድሕሪ ክጎትት ዝደሊ ንዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይፈቅድን እየ።’’
ሪፓብሊካዊ ኣፈ ጉባኤ ጆን ቦይነር ፓርቶም ንምስምማዕ ክብል ገለ ጥቕምታቱ ኣሕሊፉ ሂቡ እዩ ምስ በሉ ነቲ ምዕፃው ብዴሞክራሲዊያን ንዝምራሕ ሰኔት ወቕሲሞ ኣለው።
ሕገ መንግስትና ብንፁር ከምዘቐመጦ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ እንተድኣ ዘይተሰማሚዖም እዞም ጉዳያት ንምፍታሕ ኮፍ ኢልና ክንዘራረብ ከምዘለና ንዝተቐመጠ ፃውዒትና ኣይተቐበሉዎን ኢሎም።
እቲ ምዕፃው እንድሕር ቀፂሉ ሪፖብሊካዊን ናይ ገለ ኣሜሪካዊያን መረፅቲ ደገፍ ከስእኖም ይኽእል እዩ ይብሉ ተንተንቲ።
ኣሜሪካዊያን ኣብ ኮንግረስ ይካየድ ብዘሎ ሻራዊ ውግእ ጓህዮም እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።
ምዕፃው ፌደራል መንግስቲ ኣብ ዝቕፅለሉ እዋን 800ሽሕ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ንዘይተወሰነ ግዜ ኣይሰርሑን፤ኣይኽፈሎምን እውን።ኣብ 1995ን 1996ን ኣ/ፈ ን21 ማዕልታት ዝተፈፀመ ናይ ፌዴራል ምዕፃው ኣብ ታሪኽ ዩናይትድ ስቴትስ እቶም ዝነውሑ እዮም።