ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ኣብ ቓዛ ዝሃነጸቶ መዕረፊ ሓገዝ ክኣትው ምጅማሩ ተገሊጹ


ኣብ ገምገም ደቡባዊ ምዕራብ ከተማ ቓዛ ብኣመሪካ ዝተሃነፀ መዕረፊ ትማሊ ሰንበት ሓንቲ መርከብ ኣዚዩ ኣድላዪ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣራጊፋ።

ሰራዊት ኣመሪካ ዓበይቲ ናይ ፅዕነት መካይን ንመጀመሪያ ግዜ ብባሕሪ ኣቢሉ ንዝመፀ ረድኤት ሒዘን ተንቀሳቒሰን ክብል ገሊፁ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቀረባት መግቢ፤ ማይ፤ መፅለሊን መድሓኒትን ኣብ ማእኸላይ ቓዛ ናብ ዝተዳለወ መዕደሊ ቦታ ምብፅሑ ሓቢሩ ኣሎ።

ማእኸላይ ቓዛ ብፍላይ ካብቲ ኵናት ብዝሃደሙ ሰባት መሊኡ ይርከብ።

እስራኤል ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ደቡባዊ ከተማ ራፋ መጥቓዕቲ ካብ እተካይድ ንደሓር ረድኤት ይኣትወሎም ዝነበሩ ክልተ መስገሪ ቦታታት ተዓፅዮም ይርከቡ።

ትካላት ረድኤት በቲ ዝተሰርሕ መራገፊ ረድኤት ሕጉሳት እንተኾኑ እውን ኣብ ቓዛ እናወሰኸ ይኸየድ ንዘሎ ድሌት ፍልስጤማዊያን ዘማልእ ግን ኣይኮነን ይብሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG