ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ብዛዕባ ናብ ኤርትራ ዝግበር መገሻ ተጥንቅቅ


ERITREA
ERITREA
ኣሜሪካ ናብ ኤርትራ ዝግበር መገሻ ኣመልኪታ ክትህቦ ንዝፀንሐት መጠንቀቂ መገሻ ዳግም ኣሓዲሳቶ።

እቲ ብምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ዝወፀ መጠንቀቂ መገሻ፣ኣሜሪካውያንን ድርብ ዜግነት ዝሓዙ ዜጋታትን፣ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም‘ዮም፣ሎሚ‘ውን ብዘይመበገሲ ኣብ ትሕቲ ኣሰቃቂ ኩነታት’ዮም ዝርከቡ ይብል።

ኣሜሪካውያን ናብ ዶብ ኢትዮዽያን ኤርትራን ከምኡውን ናብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ከይፅግዑ መግለፂ ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ የጠንቅቅ።

ብጠንቂ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣብ ኣስመራ ገበን ይንህር‘ሎ ዝበለ እቲ መግለፂ፣ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ዝፍፀሙ ገበናት ንምፅራይ፣ንዘጥፍኡ ንምቅፃዕ ውሱን ዓቅሚ‘ዩ ከምዘለዎም ኣፍሊጡ‘ሎ።

መንግስቲ ዝውንኖ ሚድያ፣ብፍላይ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ማዕቀብ ካብ ዘንብር ንዳሓር፣ኣንፃር ኣሜሪካ መግለፂታት ኣሓይሉ‘ሎ ይብል እቲ መግለፂ መጠንቀቂ መገሻ።

ትሕዝቶ‘ቲ ማዕቀብ ዓሚ ካብ ዝተርር ንዳሓር ድማ፣ብሰበ-ስልጣን ኤርትራ እናተዳለወ ዝቀርብ መግለፂታት ዝያዳ ከምዝሓየለ እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ንሶማልያ፣ደቡብ ሱዳን፣ሱዳንን ኬንያን ወሲኹ ኣብ 15 ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ፣ኣሜሪካውያን ንከይገይሹ ዝሕብር መጠንቀቂ ኣውፂኡ‘ሎ እቲ ቤት ዕዮ።
XS
SM
MD
LG