ኣሜሪካ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲኣ ካብ ከተማ ቴል ኣቪቭ ናብ እየሩሳሌም ሎሚ ሶኑይ ኣግዒዛ።ኣብቲ ስነ ስርዓት ምኽፋት’ቲ ኤምባሲ ኣብ ከተማ እየሩሳሌም ምክትል ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን ሱሊቫን፡ ሚንስትር ገንዘብ ስቲቭ ምኑቺን፡ ጓል ፕረዚደንት ትራምፕ ኢቫንካ ትራምፕን በዓል ቤታ ጃረድ ኩሽነር ተረኺቦም ኔሮም። ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝሳተፉ ተወከልቲ ኣሜሪካ ትማሊ ሰንበት እስራኤል ኣብ ዝኣተውሉ ባንዴራታት ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ጎደናታት ከተማ እየሩሳሌም ከንበልብሉ ተራእዮም። ኣብ ከተማ እየሩሳሌም ዝጸንሓ ቆንስል ኣሜሪካ ነቲ ጽንብል ዝተዳለወ ኽከውን ከሎ ቀዋሚ ቦታ ነቲ ኤምባሲ ክሳብ ዝዳለው ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ከተማ እየሩሳሌም ኮይኑ ከምዘገልግል’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
ምክትል ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን ሱሊቫን ምክፋት’ቲ ኤምባሲ ንነዊሕ ክደናጎይ ዝጸንሓ ክውንነት’ዩ ክብሉ ገሊጾሞ።
ሚንስትር ገንዘብ ኣሜሪካ ስቲቭ ምኑቺን ብወገኖም ቤት ምኽሪ ሃገሮም ነዚ ምግዓዝ’ቲ ኤምባሲ ናብ ከተማ እየሩሳሌም ዘለዎም ደገፍ ካብ ቅድሚ 20 ዓመት ዝገለጸ ምኳኑ ሓቢሮም።
“ፕረዚደንት ትራምፕ ንዝኣተውዎ ቃል ንምፍጻም ድልው እዮም፡ ከም ውጽኢት ናቶም መሪሕነት ድማ ሎሚ ንምክፋት እዚ ኤምባሲ ኣብዚ ንርከብ ኣለና።”
ንምክፋት’ቲ ኤምባሲ ትማሊ ሰንበት ብሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እስራኤል ዝተዳለወ ስነ ስርዓት ካብ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ ተቓውሞ ዝገጠሞ ክኸውን ከሎ ልዕሊ 30 ተወከልቲ ሃገራት ኣብቲ ስነ ስርዓት ምስታፎም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ጓቲማላንን ፓራጓይን ኤምባሲኣን ናብ ከተማ እየሩሳሌም ከምዘግዕዛ ብምሕባር ካልኦት ሃገራት’ውን ኣብነት እዘን ሃገራት ክኽተላ ጸዊዖም።
“ ቅኑዕ ውሳነ ብምዃኑ ኤምባሲ ሃገራትኩም ናብ ከተማ እየሩሳሌም ኣግዕዝዎ። ኤምባሲታትኹም ናብ ከተማ እየሩሳሌም ኣግዕዝዎ … ስምዑኒ ስጉምቲ ንሰላም ስለዝኾነ ኤምባሲታትኩም ናብ ከተማ እየሩሳሌም ኣግዕዙ።”
ፍልስጤማዊያን ግን ንከተማ እየሩሳሌም ዝምልከት ውሳነ ኣብ መንጎ እስራኤላዊያንን ፍልስጤማዊያን ዝተበጽሓ ስምምዕ ክውሰን ኣለዎ ክብሉ ንምግዓዝ ኤምባሲ ኣሜሪካ ናብታ ከተማ ብተሪር ተቓዊሞም ኣለው።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ፍልስጤም ነቢል ሻባሕ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ኢሉ’ሎ።
“ ንከተማ እየሩሳሌም ብዝምልከት ብናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝሓለፈ ውሳነ ጥሒሶም እዮም። ኣብ ስምምዕ ሰላም ኦስሎ ብኣሜሪካ ዝተኣትወ ቃል’ውን ፕረዚደንት ትራምፕ ጥሒሶሞ እዮም።”
ኣብ ከተማ እየሩሳሌም ዝነብሩ ተወላዶ ሃገራት ዓረብ ግን ምግዓዝ ኤምባሲ ኣሜሪካ ናብ ከተማ እየሩሳሌም ንመነባብርኦም ኮነ ንህይወቶም ከምዘይቕይር ይገልጹ።
ንምግዓዝ ኤምባሲ ኣሜሪካ ካብ ብዙሓት ሃገራት ምዕራብ ነቐፌታ ዝቐረቦ ኮይኑ ገለ መራሕቲ ሃገራት’ውን ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤላዊያን ፍልስጤማዊያን ዘሎ ውጥረት ዘጋድድን ናብ ግጭት ዘለዓዕል’ዩ ክብሉ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለው ።