ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስሉሳዊ ኣኼባ ግድብ ኣባይ/ናይል ምስ መራሕቲ ኣሜሪካ


ወከልቲ ግብጺ፣ ኢትዮጵያንሱዳንን ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ
ወከልቲ ግብጺ፣ ኢትዮጵያንሱዳንን ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:44 0:00

ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ክምረቕ ከሎ ‘ሪቫን ክቖርጹ’ ድልየቶም ከምዝኾነ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከምዝተዛረቡ ተገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ቆይቂ፣ ሎም ቅነ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ‘ኦቫል ኦፊስ’ በጺሑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ምስ ሚኒስቲራት ስለስቲኤን ሃገራት ቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ተራኺቦም’ዮም።

ሚኒስትር ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ብዛዕባ ስምምዕነት ዋሽንግተን ዲሲ ክዛረቡ ከለው ‘መንግስቲ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ኣብ እዋን ቀጸልቲ ልዝባት ተዓዘብቲ ንክኾኑ ተዘይኮይኑ ካልእ ሓድሽ ነገር የለን’ ኢሎም።

ሚኒስትር ሃብቲ ማይ ኢትዮጵያ ዶ/ር ስለሺ በቀለ ብወገኖም፣ ‘ከም’ቲ ናይ ሕሉፍ ልዝብ ኣይኾንን ምኽንያቱ ደጊም ተዓዛቢ ክህሉ’ዩ፣ ስለዚ ሙሉእ ለይቲ ተዘራሪብና ተሰማሚዕና ክነብቅዕ ኣብ ቃለ ጉባኤ ኣይንፍርምን ምባል ስለዝተርፍ እዚ ዳሕረዋይ ስምምዕነት ከም ኣዎንታዊ ምዕባለ ኢና ንቖጽሮ ኢሎም’

XS
SM
MD
LG