ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚ እስራኤል ይራኸብ


ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚ እስራኤል ይራኸብ
ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚ እስራኤል ይራኸብ

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ሎሚ ዓርቢ 13 ጥቅምቲ 2023 እስራኤል ኣትዩ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገርን ተራኺቡ ዘትዩ። ካብ ናይ ብራስለስ ኣኼባ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ናብ እስራኤል ዘምረሐ እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ፡ ኣመሪካ ኣብ ጎድኒ እስራኤል ምህላዋ ንምምልካት ምዃና ኣብቲ ዝገብሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ዑደት እቲ ሚኒስተር ምክልኻል፡ ኣመሪካ እስራኤል ኣንጻር ጕጅለ ሓማስ ኣብ እትገብሮ ዘሎ ኲናት ዘዕጠቐጥሉ እዋን’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዑደት ይገብር ምህላዉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብሊንከን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ቀጠር ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚ እታ ሃገር ተራኺቡ ዘትዩ ኣሎ። ብሊንከን ሎሚ ዓርቢ ናብ ባሕሬን፡ ስዑዲ ዓረብን ክበጽሕ መደብ ተታሒዙዎ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ድማ ናብ ሕብረት ኢማራት ዓረብን ግብጺን ክቕጽል ምዃኑ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG