ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ሰበ-ስልጣን እስራኤል ይዘራረቡ


ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ቀ/ሚ እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ
ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ቀ/ሚ እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሎሚ ሓሙስ 12 ጥቅምቲ 2023 ናብ ማእከላይ ምብራቕ ንምብጻሕ እስራኤል ኣትዮም።

ብሊንከን መጀመርያ ምስ ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቅ ሄርዞግ ተራኺቦም ዝተዘራረቡ ክኾኑ ከለው ቀጺሎም ናብ እየሩሳሌም ብምኻድ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ቤንያሚን ነታንያሁ ተዘራሪቦም።

ብሊንከን ናብ እስራኤል ኣብ ዝተበገስሉ እዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ነቶም ኣመሪካዊያን ዝርከብዎም ኣስታት 100 ዝኾኑ ብዕጡቓት ሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሰባት ናጻ ንምውጻእ ምስ ኣብቲ ዞባ ዘለው ናይ ኣመሪካ መሻርክቲ ከምዝሰርሑ ሓቢሮም ኔሮም።

ብሊንከን ወሲኾም ኣስታት 22 ኣመሪካዊያን በቲ ግጭት ምሟቶምን እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ከምዝኽእል ሓቢሮም ኣለው።

ብሊንከን እስራኤል ንትህቦም ግብረ-መልሲ ክትገትኦ ኣመሪካ ትመክር እንተኾይና ተሓቲቶም ክምልሱ ከለው እስራኤል ንዓለምለኸ ሕጊ ተኽብር ምዃናን ሰላማዊያን ሰባት ግዳያት ከይኮኑ ጻዕርታት ከምትገብርን ብምሕባር ኣብ ቓዛ ዘለው ሰላማዊያን ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ዝወጽሉ መገዲ ከምዘናድዩ’ውን ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG