ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋይት ሃውስ ንሕማም ሚ/ምክልኻል ዝምልከት መስርሕ ምጽራይ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ


ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን
ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን

ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ሆስፒታል ዝኣተውሉ ኣገባብ ከምኡ'ውን ስልጣን ንምክትሎም ዘረከብሉ መስርሕ ንሰበ-ስልጣን ዋይት-ሃውስ ብእዋኑ ዘይምግላጹ ይምርመር ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ንፕረዚደንት ስዒቡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ መዝነት ዝርከቡ ኦስቲን፣ ብሰንኪ ተኸታታሊ ሕክምና ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሆስፒታል ደቂሶም ነይሮም።

ሚንስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ብዛዕባ ሕክምና’ቶም ሚንስተር ተወሳኺን ጽጹይን ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቆጢቡ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ጸጥታኣመሪካ ጆን ኪርብይ "ኣብ’ቶም ስርሓት እንታይ ከምዝጎደለ ክግምገም እዩ" ይብል።ክሳብ ሽዑ ግና ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ኣብ ሙሉእ ሓላፍነቶምን ዕዮኦምን ከምዝርከቡ’ውን እቲ ዜና ገሊጹ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG