ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ክትትል ሕክምና ኣሎ


ስእሊ ፋይል--ሎይድ ኦስቲን
ስእሊ ፋይል--ሎይድ ኦስቲን

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን፡ ክሳብ ትማሊ ሰንበት ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ክንክን ኣብ ሕክምና ምህላዉ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪክ ዝወጽአ ሓበሬታ የመልክት። ፔንታጎን፡ እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ካብ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ዑደቱ ድሕሪ ምምላስ፡ 22 ታሕሳስ መጥባሕቲ ከም ዝገበረ ሓቢሩ ኣሎ። እንተዀነ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ እቲ ቃንዛ መሊሱ ምስ ገደደ ናብ ሕክምናን ጽዑቕ ክንክንን ምምላሱ ኣስዒቡ።

ሃንደበታዊ ሕክምና ኦስቲን፡ ኣብ መንገሻ ኣብ ፖርቶሪኮ ዝነበረት ምኽትሉ ካትሊን ሂክስ ንፕረዚደንት ባይደን ደንጉዩ ከም ዝበጽሖም ተፈሊጡ።

ሎይድ ኦስቲን ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ንቡር ስራሑ ክምለስ ምዃኑ፡ ተወሳኺ ዝርዝር ዘይሃበ፡ ፔንታጎን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብዛዕባ ጥዕናን ምእታው ሕክምና ዝለዓለ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ምምሕዳር ባይደን ካብ ንቡር ወጻኢ መምርሒታትን ንጥፈታትን የካይደሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ ዝፍጸም ዘሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG