ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሪፓብሊካውያን ኣፈ-ጉባኤ ንምምራጽ ይቀራረቡ፡ ዛጊት ኣብ ስምምዕ ኣይበጽሑን


ቤት ጽሕፈት ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ - ፋይል
ቤት ጽሕፈት ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ - ፋይል

ኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲ ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምውራዱ፡ ሰልፊ ሪፓብሊካን መተካእታኡ ንምምራጽ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ኣብ ዝርርብ ከም ዘሎ ይግለጽ ኣሎ። እንተዀነ ድምጺ ብዙሓት ኣብ ክልተ ስለ ዝተመቓቐለ፡ እቲ መስርሕ ሰዓታት ወይ መዓልታት ክወስድ ከም ዝኽእል ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ይጠቅስ።

ዛጊት ነዚ መዝነት ተሓጽዮም ዘለዉ መራሒ ኣብዝሓ ስቲቭ ስካሊስን ኣቦ-መንበር ኮሚተ ፈራዶ ጂም ጆርዳንን’ዮም። ካብቲ መዝነት ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወረደ ኬቨን ማካርቲ ግን ንብጾቱ ናብቲ መዝነት ከይረቝሑዎ ከም ዝተማሕጸነን ደጊሙ ክወዳደር ከም ዘየደሊን ኣመልኪቱ ኣሎ። ኣብቲ ትማሊ ምሸት ኣብ ምርቋሕ ኣፈ-ጉባኤ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ማካርቲ ግጥሚ ናይ ማዘር ተሬዛ ኣንቢቡ ናይ ሓድነት ጸሎት’ዩ ኣቕሪቡ።

ክልተ ነዚ መዝነት ተረቚሖም ዘለዉ ስካሊስን ጆርዳንን ዛጊት ብተመሳሳሊ ደጋፍ ይቕጽሉ ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG