ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ኣብ ምፍራይ ደራሁ ዝወፈሩ ኣሜሪካውያን ሰብ ሃፍቲ


ገለ ካብ ሞንጎ‘ተን ዝራባሓ ደራሁ
ገለ ካብ ሞንጎ‘ተን ዝራባሓ ደራሁ
ዴቭድ ኤልስን ትረንት ኮስቶቮስን ዝተባሃሉ ኣሜሪካውያን ሰብሃፍቲ ኣብ ማእኸል ሕርሻ መቐለ ምሩፃት ዓሌት ደራሁ ካብ ህንዲ ኣምጺኦም ብዘመናዊ መንገዲ የፋርዩ ኣለዉ::

ማእኸል ሕርሻ መቐለ ፈለማ ብ2011 ስራሕ እንትጅምር ወርሓዊ 30 ሽሕ ደራሁ እዩ ዘፍሪ ነይሩ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ኣብ ወርሒ 150 ሽሕ ደራሁ የፍሪ’ሎ፡፡ ፍርያቱ ዳርጋ ኣብ ኩሎም ወረዳታት ትግራይ ኣባፂሑ’ሎ፡፡ ኣብ ሕድሕድ ወረዳ ትግራይ ክልተ ወኪላት ብምጥያሽ 70 ወከልቲ ኣብ ምፍራይ ደራሁ ወፊሮም ኣለዉ፡፡ በዚ ድማ 100 ሽሕ ስድራ ሓረስቶት ትግራይ ይርብሑ ኣለዉ፡፡

እተን ጨቓውቲ ናብ ኣብነታውያን ሓረስቶት ትግራይ እየን ዝላኣኻ:: ነተን ጨቓውቲ ዘድሊ ሕክምናውን ናውቲ ቀለብን ከምኡ እውን ኣተሓሕዛ ዝምልከት ዝዋሃብ ትምህርቲ ሓዊሱ ዋጋ ሓንቲ ጫቝት 17 ቅርሺ እዩ ይብሉ ሰብ ዋና እቲ ትካል::

“ኣብ ውሽጢ እዚ 5 ዓመት'ዚ ሕድ ሕድ ትግራወይቲ ኣደ 30 ደራሁ ክትውንን ንፅዕር ኣለና” ይብል ዴቭድ ኤልስ::

ትረንት ኮስቶቮስ ብወገኑ “ንሕና ብኣብነት ዝጽራሕ ማሕበረሰባዊ ልምዓት ብተግባር ንምርግጋፅ ኢና ንሰርሕ ዘለና” ኢሉ::
ኣሜሪካውያን ሰብ ሃፍቲ ኣብ ትግራይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:17 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG