ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝበልዎ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መርዓዊ ዝተባህለ ቦታ ልዕሊ 80 ዝኾኑ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኤርቪን ማሲንጋ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ እቲ ሓበሬታ ንመንግስቲ ኣመሪካ ብኸቢድ ከምዘተሓሳሰቦን፡ ብናጻ ወገን ተጻርዩ እቶም ፈጸምቲ'ቲ ቕትለት ብቕልጡፍ ናብ ፍትሒ ክቕርቡ ኣለዎም ኢሉ።
ኣብ ኣምሓራን ካልኦት ከባብታትን ዘሎ ግጭታት`ውን ክዓርፍ ዝጸውዐ ኣምባሳደር ኣመሪካ፡ ነቲ ጭፍጨፋ መን ከም ዝፈጸሞ ብንጹር ኣይጠቐሰን። ዝሓለፈ ሰሉስ መግለጺ ዘውጽአ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ከባቢ ክልል ኣምሓራ ሰፊሕ ዝኾነ ግህሰት መሰላት ይፈጸም ኣሎ፡ ኣብ ሓደ ረፍዲ ድማ ልዕሊ 80 ሲቪላት ገዛ ገዛ እናኣተኻ ብዝተገብረ ፍተሻ ተቐቲሎም ድሕሪ ምባል ቅልጡፍ መርመራ ክግበረሉ ጸዊዑ`ሎ።
እዚ ጭፍጨፋ ዝስማዕ ዘሎ፡ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዝካየድ ግጭት ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን`ዩ። ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብቲ ክልል ዝተነብረ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝሓለፈ ሰሙን ንተወሳኺ ኣርባዕተ ወርሒ ምንውሑ ይፍለጥ።
ቅጥዒ