ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ተግባር ዕቀባ ሰላምን ፀጥታን ኢትዮዽያ ተድልየና‘ያ ኢለን ኣምባሳደር ፐትርሽያ ሃስላክ (ካልኣይ ክፋል)


ኣምባሳደር ፐትርሽያ ሃስላክ
ኣምባሳደር ፐትርሽያ ሃስላክ

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮዽያ ወግዓዊ መርገፂ ኣይሓዘትን። እዚ ግድብ‘ዚ መንግስታዊ ፕሮጀክት‘ዩ።ኣብ ምህናፅ‘ቲ ግድብ ቀጥታዊ ደገፍ ገንዘብ ኣይንገብርን ኢለን ኣምባሳደር ሃስላክ።

ኩባንያታት ኣሜሪካ ግና ኣብ ምዝርጋሕ መስመር ኤሌክትሪክ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ሓይሊ ናብ ወፃኢ ንምሻጥን ድልየት ኣለዎም።ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮዽያ ትነጣጠፈሎም ዘፈራት ሕርሻ፣ትምህርትን ጥዕናን‘ዮም።

ንሰራዊት ኢትዮዽያ ካብ ኣፅዋር ወፃኢ ዘሎ ነገራት ንድግፍ።ንሰራዊት ሶማልያ ንዘሰልጥኑ‘ውን ንሕግዝ።ሰራዊት ኢትዮዽያ ናብ ሶማልያ ካብ ዝኣተውሉ ጊዜ ንዳሓር ኣብ ባይታ ይራኣይ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘግርም‘ዩ ይብላ እተን ኣምባሳደር።

ብዛዕባ ኤርትራ ”ፖሊሲና ኣይተቀየረን።ብርክት ዝበሉ ክንዘራረበሎም ዝግባእ ኣጀንዳታት ኣለውና።ካብኡ ዝሓለፈ ክልተ ሃገራት ምስ ዝሳሓሓባ ኣፈላላየን ኣብ ሰደቃ ኮፍ ኢለን ክፈትሐኦ ኢና ነተባብዕ።ስለዚ ነዚ ምስሕሓብ ኣብ ምፍታሕ ቀጥታዊ ተሳትፎ የብልናን” ኢለን።

እተን ኣምባሳደር ”ኣብ መዓስከር ኤርትራውያን ስደተኛታት በፂሔ ነይረ።ብሕልፊ ቆልዑ ክትሪኢ ከለኻ፣ህዝቢ ካብ ሃገሩ ብከም‘ዚ ክስደድ ምርኣይ ኣዝዩ ዘጉሂ‘ዩ። ኣዝዩ ዘሕዝን‘ዩ።ብጠንቂ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድዩ ቁጠባዊ ፀገም ክስደዱ ከለው ምርኣይ ከምዝመስለኒ ኣዝዩ ዘሕዝን‘ዩ“በላ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:44 0:00
መራገፊ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:14 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG