ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ጉዳይ ኲናት ሱዳን ውሳነ የሕልፉ


ባይቶ ጸጥታ ኣብ ጉዳይ ኲናት ሱዳን ውሳነ የሕልፉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:24 0:00

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ጉዳይ ኲናት ሱዳን ውሳነ የሕልፉ

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ርእሰ-ከተማ ዞባ ዳርፎር ዝዀነት ኣልፋሸር’ዩ ኣተኲሩ ዘሎ። ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ፡ ነታ ኣቐዲማ ማእከል ተመዛበልቲን ኣስታት 1.5 ሚልዮን ዜጋታት የዕቊባ ዘላ ኣልፋሸር ከቢቦማ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ጉዳይ ውሳነ የሕሊፉ ኣሎ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ ንኸበባ ርእሰ-ከተማ ዳርፎር ዝዀነት ኣልፋሸር ከቋርጹን ኲናት ደው ከብሉን ውሳነ የሕሊፉ።

ኣብቲ ብእንግሊዝ ዝቐረበ ንድፊ፡ ድምጺ ተዓቅቦ ዝገበረት ሩስያ ገዲፍካ 14 ብ 0 ኢዩ ሓሊፉ።

እቲ ውሳነ ክልቲኦም ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ኣካላት ኣብ ሓጺር እዋን ግጭት ደው ኣቢሎም ምቍራጽ ተጻብኦታት ክገብሩ’ውን ዝጽውዕ’ዩ።

ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝሓልፍ ዘሎ፡ ብሓይልታት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ ኣብ ኣልፋሸር ዓሌት-ተኰር ግፍዕታትን በደላትን ከም ዝተፈጸመ ድሕሪ ምምዝጋቡ’ዩ። በቲ ኣሃዱ ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ኤልጀኒና ናይ ምዕራብ ዳርፎር ተመሳሳሊ በደላት ምፍጻሙ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣምባሳድር እንግሊዝ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ባርባራ ዉድዋርድ፡ “እቲ ውሳነ ብምሉእ ድምጺ ክሓልፍ ምኽኣሉ፡ እቲ ኣሃዱ ብህጹጽ ገስጋሱ ከቋርጽ ንጹር መልእኽቲ ዝሰድድ’ዩ፡” ኢላ። ንሳ ኣስዒባ ኣብታ 1.5 ሚልዮን ህዝቢ ኣዕቊባ ዘላ ከተማ፡ “እቲ መጥቃዕቲ ንእለቱ እንተ ዘይኣቋሪጹ ክስዕብ ዝኽእል ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብዚ ዘሎ ተደመሮ ክኸውን’ዩ፡” ኢላ።

ምኽታል ኣምባሳድር ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዘይቃዶን ዘላቒ ፍታሕ ንምምጻእ ዘይክእልን’ዩ ክብል መሊሳ። ተወካሊት ሩስያ እቲ ውሳነ ንሱዳናውያን ክግደፍ ከም ዘለዎ ብምጥቃስ፡ “እቲ ቀዳምነታት ክወሃቦ ዘለዎ ግዝኣታዊ ሓድነትን ትካላት መንግስቲ ምዕቃብን’ዩ፡” ኢላ።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ናይ 2023 ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ዛጊት ን14-ሽሕ ዜጋታት ቀቲሉ፣ 33-ሽሕ ድማ ምቝሳሉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

በበይኖም ኣካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ንዂናት ሓድሕድ ሱዳን ቀንዲ ዘቕጽሎ ዘሎ ብደገ ዝቐርብ ሓገዝ ኣጽዋራት’ዩ ብምባል፡ ነተን ኣብዚ ጉዳይ ኢድ ኣለወን ዝብሃላ ሃገራት ነቲ ተግባር ከቋርጸኦ ወይ ድማ እገዳ ክግበረለን ደጋጊሞም ክጽውዑ ጸኒሖም’ዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ካልእ ምዕባለታት፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም፡ ሱዳናውያን ብኸቢድ ሽግር ሕጽረት መግቢ ክሳቐዩ ከም ዝኽእሉ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ ትንበያዊ መጽናዕቲ ይገልጽ። ኣብቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኢሉ ዝሰየሞ፡ ዋና-ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣስታት 12 ሚልዮን ተመዛቢሎም ዘለዉ ዜጋታት እታ ሃገር ተጸበይቲ ረዲኤት ኰይኖም ኣለዉ ኢሉ። ዶክተር ቴድሮስ ኣስዒቡ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት፡ ህዝቢ ብቐረባ ክፍወሱ ብዝኽእሉ ሕማማት ንሞትን ስቅያትን ይቓልዑ ኣለዉ ኢሉ።

ጉጅለ መጽናዕቲ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ናብ ደረጃ 5 ሰሪዑዎ ኣሎ። እንተዀነ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኵነታት ዛጊት “ዓጸቦ” ኢሉ ኣይጸውዖን። ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሱዳን ዝበጽሐ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ገለ ክፋል እታ ሃገር ዓጸቦ ከም ዘሎ ብምጥቃስ “እንተዀነ ክሳብ ክንደይ ክፋል’ታ ሃገር’ዩ ብተመሳሳሊ ኵነታት ተጸልዩ ዘሎ ምስ ግዜ ዝርአ ሕቶ’ዩ፡” ኢሉ።

ኣብቲ ጉዳይ ዝነጥፍ ዘሎ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዝከኣሎ እኳ ይገብር እንተሎ፡ እቲ ጋግ ግን ኣዝዩ ዓቢ’ዩ ኢሉ። ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ቅልውላው ሱዳን ዝውዕል ናይ 2.7 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ሓገዝ ንምትእኽኻብ ዓሊሙ እኳ እንተ ነበረ፡ 16% ናይቲ መጠን ጥራይ’ዩ ክእክብ ክኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG