ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ንእገዳ ኣጽዋር ሶማልያን ኤርትራን ኣናዊሑዎ


ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ፣ ኣብ ልዕሊ ሶማልያን ኤርትራን ዘንበሮ እገዳ ኣጽዋር ክሳብ ንዓመታ ንክናዋሕ ትማሊ ሓሙስ ወሲኑ።

ንዕድመ ተቆጻጻሪ ጉጅለ ሶማልያን ኤርትራን’ውን ዘናወሐ እቲ ቤት ምኽሪ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ተቆጻጻሪ ጉጅለ ናብ ኤርትራ መታን ኣትዩ ስርሑ ክዓይይ ንክተሳልጠሉ ጸዊዑ።

ብዘይካ’ዚ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሓበሬታ ብምሃብ ንክተሓባበርን ሃለዋት ቅድሚ 8 ዓመታት ዝተማረኹ ወትሃደራት ጂቡቲ ንጉጅለ ተቖጻጻሪ ንከፍልጥን መጸዋዕታ ቀሪቡሉ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ ‘ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ ንዕድመ’ቲ እገዳ ብምንዋሕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ በደል ፈጺሙ’ ክብሉ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ናብ ሕ/ሃ ገሊጾም።

ምስ ጂቡቲ ብዛዕባ ዘሎ ምስሕሓብ ኣመልኪቶም ክዛረቡ ከለው ድማ ‘ኤርትራ ንሽምግልና ዃታር ትግደሰሉ’ያ፣ ኩሎም ምሩኻት ወትሃደራት ጂቡቲ ዝሓለፈ መጋቢት’ ተለቂቆም’ዮም፣ ዝተረፈ ጂቡታዊ ምሩኽ ወትሃደር ኣብ ኢድና የለን’ውን ኢሎም።

ወካሊ ጂቡቲ ብወገኖም፣ ‘ኤርትራ ንጂቡታዊያን ምሩኻት ውግእ ዝሓለፈ መጋቢት ምልቃቃ ተስፋ ዝሃበ ነይሩ፣ ግን ሕሉፍ ግብራ ቀጺላትሉ ስለዘላ፣ እቲ እገዳ ክናዋሕ ኣለዎ፣ ከምኡውን፣ ኤርትራ ንሽምግልና ኳታር ትግደሰሉ'ያ ኢልካ ዘረባ ቅንዕና ዝጎደሎን መርተዖ ዘይብሉን'ዩ’ ኢሎም።

ኣንጎላ፣ ቻይና፣ ግብጺ፣ ሩስያን ቬንዙዌላን ተኣቅቦ ክመርጻ ከለዋ፣ ዜሮ ተቃውሞን ዓሰርተ ድጋፍን ብምርካብ’ዩ እቲ ኣብ ልዕሊ ሶማልያን ኤርትራን ዝተነበረ እገዳ ተናዊሑ።

XS
SM
MD
LG