ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ኦባማ ሃገሮም ምስ ኢራን ፅምዶ ንምክያድ ቅርብቲ እያ ኢሎም


The UN General Assembly listening to President Obama's speech at United Nations headquarters in New York, September 21, 2011. The body's attention this week is focused on the Palestinian request for full membership.
The UN General Assembly listening to President Obama's speech at United Nations headquarters in New York, September 21, 2011. The body's attention this week is focused on the Palestinian request for full membership.
ናይ ዩናትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ሃገሮም ምስ ኢራን ብዛዕባ ኒኩሌራዊ ፕሮግራማ ዕቱብ ፅምዶ ንምካያድ ቅርብቲ ምዃና ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤት መንግስታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊፆም።ሶሪያ ኬሚካላዊ ኣፅዋራ ንዝእግድ ስምምዕ ዘይትትሓባበር እንተኾይና ግን መዘዝ ኣለዎ ኢሎም ኣለው።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ዝቕል ዝተረፎም ናይ ኽልተ ዓመትን ፈረቓን ስልጣን ዘመኖም ኣብ ናይ ወፃኢ ፖሊስኦም ኣብ ክልተ ዛዕባታት ኣቶኪሮም ከምዝንቀሳቐሱ ሓቢሮም።ኢራን ኒኩሌራዊ ኣፅዋር ንምውናን እትገብሮ ፃዕርን ኣብ ግጭት ዓረብ እስራኤልን።

ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኢራን መንግስቲ ንምቕያር ኣይትደልን ዝበሉ ፕሬዝዳንት ኦባማ ህዝቢ ኢራን ሰላማዊ ናይ ኒኩሌር ሓይሊ ናይ ምጥቃም መሰል ሃገሮም ከምእተኽብር ብምግላፅ ናይ ኢራን ዘይምትእምማን ብቐሊሉ ዘይስዓር ነዊሕ ሱር ዝሰደደ እዩ ኢሎም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ከምዚ ኢሎም ‘’ንጉዳይ ኒኩሌራዊ ፕሮግራም ኢራን ክንፈትሕ እንተኽኢልና ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ሓባራዊ ምትእምማንን ዝተመስረቱ ዝተፈላለዩ ርክባት ንምፍጣር ናብ ዝወስድ መንገዲ ከም ሓደ ዓብዩ ስጉምቲ ከገለግል ከምዝሕእል እምነት ኣለኒ።’’

ልዕሊ ሓደ ምእቲ ሽሕ ዝተቐተልሉ ቅልውላው ሶሪያ ብዝምልከት ፕሬዝዳንት ኦባማ ናይ ሶሪያ መንግስቲ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ንምውጋድ ኣብ መንጎ ዩናይትድ ስቴትስን ሩሲያን ዝተብፅሐ ስምምዕ ንናይታ ሃገር ግጭት ንፃዕርታት ፖለቲካዊ ፍታሕ ሓይሊ ክህቦ እዩ ኢሎም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ምስ ገለ ሓሳባት ሓድሽ ናይ ኢራን ፕሬዝዳንት ሓሳን ሮሃኒ ይሰማምዑ።ፕሬዝዳንት ሮሃኒ ምስ ቅድሚኦም ዝነበሩ ኽርር ዝበለ መርገፂ ዘለዎም መሓመድ ኣሕመዲነጃድ እንተወዳድሩ ለዘብተኛ ምዃኖ ይገልፁ።

ብዛዕባ ተጠርጣሪ ኒኩሌራዊ ፕሮግራማ ሓባራዊ ምትእምማን ዝፈጥር ብግዜ ዝተሓፀረን ውፅኢት ቶከርን ዝኾነ ዝርርብ ብህፁፅ ንምክያድ ኢራን ቅርብቲ እያ ኢሎም ፕሬዝዳንት ሮሃኒ።ኣስዒቦም ‘’ብዛዕባ ሰላማዊ ናይ ኒሉሌር ፕሮግራምና ዝኾነ ይኹን ኩሎም ምኽንያታዊ ሻቐሎት ምውጋድና ንሃገራዊ ርብሓና ዝጠቅም እዩ።’’ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተነብሩ ዓለምለኸ ማዕቐባት እውን ንመንግስቲ ከይኮነስ ነቲ ተራ ህዝቢ ዝጎድእ እዩ ክብሉ ነቒፎም።

ኣብ ጎኒ ኣኼባ ሕቡራት መንግስታት ፕሬዝዳንት ኦባማን ፕሬዝዳንት ሮሃንን ክራኸቡ እዮም ዝብል ትፅቢት ኣይሰመረን።
XS
SM
MD
LG