ቁፅሪ ኤርትራዊያን ሓተቲ ፖለቲካዊ ዕቑባ ኣብ ኣውሮፓ፣ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣዚዩ ከምዝወሰኸ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት UNHCR ካብ ጄኔቭ ኣፍሊጡ።ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ብፍላይ ልዕሊ 5,000 ኤርትራዊያን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተው ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢ ቃል UNHCR ገሊፆም ኣለው።
ኣብቶም ዝሓለፋ 10 ኣዋርሕ ቁፅሪ ሓተቲ ዕቑባ ኤርትራዊያን ኣብ ኣውሮፓ ብሰለተ ዕፅፊ ወሲኹ’ሎ።ዛጊድ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ናብ 37 ሽሕ ዝፅግዑ ኤርትራዊያን ኣብ ኣውሮፓ ዕቑባ ከምዝሓተቱን ኣብዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ግን 13 ሽሕ ኤርትራዊያን ከምዝነበሩን ይሕብር፤እቲ መግለፂ።
መብዛሕቲኦም ብመዲትራኒያን ባሕሪ ኣቢሎም ብጀልባ እናተፅዓኑ ናብ ስዊድን፣ጀርመንን ሲዊዘርላንድን ኣትዮም ዕቑባ ዝሓተቱ እዮም።
ብጀልባ ኣብ ጣሊያንን ካብ ዝኣተው እቶም 22 ሚእታዊ ወይ ኣስታት 34 ሽሕ ኤርትራዊያን እዮም።ኣብ ጣሊያን ዝኣትው ካብ ሶሪያዊያን ቀፂሎም ኤርትራዊያን ካልኣይ ምዃኖም እቲ መግለፂ ይሕብር።ናብ ጣሊያን ዝኣትው እውን ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን እናተልዓሉ እዮም።ብመሰረት እቲ መግለፂ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጥራሕ 90 ሚእታዊ ካብ 18-24 ዓመት ዝዕድሚኦም መናእሰይ ልዕሊ 5,000 ኤርትራዊያን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣለው።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወርሒ ጥቅምቲ ግን ብማእኸላይ ኣስታት 2,000 ነይሮም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው።
ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢ ቃል UNHCR ኣቶ ክሱት ገብረእግዝኣብሄር ኣብ ክልተ ክልላት ኢትዮጵያ ማለት እውን ኣብ ትግራይን ዓፋርን ኣብ ዝርከቡ ሽዱሽተ መዕቖቢ ጣቢያታት ኣስታት 107 ሽሕ ኤርትራዊያን ኣዒቍቦም ኣለው።ኣብ ትግራይ ኣብ ኣርባዕተ ካምፕታት ኣብ ዓፋር ድማ ክልተ ካምፕታት ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ኣብ ትግራይ ከባቢ 80 ሽሕ ስደተኛታት ኣዒቑቦም ይርከቡ’’ኢሎም።
መብዛሕቲኦም ስደተኛታት ንዕቑባ ዝህቡዎ ምኽንያት ምጥሓሰ መሰላት ምዃኑን ብፍላይ ድማ ብኣስገዳድ ዝካየድ ዘሎ ገደብ ኣልቦ ኣገልግሎት ምዃኑ ኣቶ ክሱት ይገልፁ።ዝርዝሩ የድምፁ።