ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መጻኢ ዕድል`ታ ሃገር ኣብ ኢዱ'ዩ ዘሎ" ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት

  • ቪኦኤ ዜና

ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ዛይድ ራዓድ አል ሁሴን

መንግስቲ ኢትዮጵያ መጻኢ ዕድል’ታ ሃገር ኣብ ኢዱ’ዩ ዘሎ ክብሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ዛይድ ራዓድ አል ሁሴን አገንዚቦም።

ኢትዮጵያ ብመዳይ ምኽባር ሰብአዊ መሰላት ሓዲሽ ገስጋስ ክትጅምር እንተኺኢላ ብህዝባ ከምትታአማመን እንተርእያን ንኹሉ ዝረብሕ ድልዱልን ሓድነቱ ዝሰጠመነ ማህበረሰብ ክትፈጥር ትኽእል’ያ ክብሉ’ውን መኺሮም።

“እዚ እንተዘይኮይኑ ዕንቅፍቅፍ ትብል እንተኾይና ግን” ኢሎም እቶም ኮሚሽነር “ንልምዓት ኾነ ነቲ ህዝቢ አሉታዊ ሳዕቤን ክፈጥሩ ይኽእሉ’ዮም” ክብሉ አዘኻኪሮም።

እቶም ኮሚሽነር መንግስቲ ብፍርሂ ዝአሰሮም ዝተፈርዱን ዝበልዎም ሓያለ እሱራት ክፍትሑ’ውን ሓቲቶም።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብአዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዛይድ ራዓድ ኣል ሁሴን ትማሊ አማስይኡ ኣብ አዲስ አበባ ማእከል መአኸቢ አዳራሽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸውዕዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ አተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ገምጊሞም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG