ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ምክትታል ኤስያ-ፓሲፊክን ማእከላይ ምብራቕን ዝዀነ ኻልድ ኪያሪ፡ ንባይቶ ጸጥታ እቲ ውድብ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን፡ ናብ ዝዓበየ ዞባዊ ጎንጺ ክዓቢ ተኽእሎ ኣለዎ፡” ኢሉ። እቲ በዓልመዚ ትማሊ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ መስመር ቀይሕ-ባሕሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተጋብአ ርክብ’ዩ ነዚ መጠንቀቕታ ኣስሚዑ።
ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ቀንዲ ሻቕሎት፡ ተቓለስቲ ሑቲ ኣብቲ ማያዊ መስመር ዝገብሩዎ ዘለዉ ቀጻሊ ተጻብኦን መጥቃዕታትን ነቲ ዞባ ጸልዩ፡ ንሚልዮናት የመናውያን ኣብ ዝተሓደሰ ጎንጺን ዘይምርግጋእን ክመርሖም ተኽእሎ ስለ ዘለዎ’ዩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ፡ ካብ 19 ታሕሳስ ጀሚሩ ጥራይ ዕጡቓት ሑቲ 23 ፈተነታት መጥቃዕቲ መራኽብ ኣብ ማያት ቀይሕ-ባሕሪ ገይሮም ኣለዉ።
ነቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ስዒባ፡ ኣመሪካ እትመርሖ ኪዳን፡ ኣብቲ ማያዊ ዞባ ሓለዋ ባሕሪ ኣቚሙ ኣሎ። እዚ “ስርሒት ሓለዋ ብልጽግና” ዝተሰምየ ኣሃዱ ዛጊት ብመራኽብ ሓለዋ ኣመሪካ፡ ፈረንሳን እንግሊዝን ነቲ ከባቢ ይሕሉዎ ኣሎ። ኣመሪካ ሄሊኮፕተራ ብምጥቃም’ውን ነቲ ዞባ ኣብ ምሕላው ትርከብ። ንኣብነት፡ ቀዳም ሓለዋ ነፈርቲ ኣመሪካ፡ ንመጥቃዕቲ ዝነቐሉ 10 ኣባላት ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ ምቕታሉ ኣፍሊጡ።
ዓበይቲ ኣገልግሎት ጕዕዞ መራኽብ፡ ብሰንኪ’ቲ ዝወርድ ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ንመስመር ቀይሕ-ባሕሪን ባብኤል መንደብን ከውግዳ ይግደዳ ኣለዋ። ኣብ ክንድኡ በቲ ዝነውሐ መስመር ጽንፊ-ጽቡቕ-ተስፋ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣቢለን ክጓዓዛ ይመርጻ።
እዚ ግን ብዋጋን ካልእ ኣሳላጥነትን ቀሊል ከም ዘይኰነ ሮይተርስ ኣብ ዘስፈሮ ገምጋም ይሕብር። ሓደ ሲሶ ናይ ጽዕነት ኮንተይነራት ብመንገዲ ቀይሕ-ባሕሪን መትረብ ስወጽን ከም ዝሓልፍ ዘመልከተ ሮይተርስ፡ ምንዋሕ ናይዚ መስመር ኣብ ቀረባት ከም ኣይኪያን መሸጣታት ዎልማርትን ድሮ ምትእጕጓል ፈጢሩ ከም ዘሎ ይሕብር። እዚ ተደማሚሩ ዋጋታት ሃለኽቲን ጥረ-ነገራትን ከዕብዮ ምዃኑ ይግመት።
ስለዚ እምበኣር’ዩ ሕቡራት ሃገራት እቲ ዞባ ማዕረ’ቲ ክፈጥሮ ዝኽእል ምቅዋስ ዝበቅዕ ኣቓልቦ ክወሃቦ ዝጽውዕ፡ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኪያሪ ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ንባይቶ ጸጥታ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ብዕጡቓት ሑቲ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኣባላት መርከብ ጋላክሲ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ጸዊዑ። እቲ በዓል መዚ ሕቡራት ሃገራት ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ዞባ ክፍጠር ንዝኽእል ተወሳኺ ምትፍናን ዝተሓደሰ ጎንጺን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኵላቶም ወገናት ነቲ ሲቪላዊ ህዝቢ ናይ ምህሳይ ዓቢ ተኽእሎ ዘለዎ ኲናት ከወግዱ ተላብዩ።
ኣብቲ ትማሊ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጻውዒት’ውን፡ ዋና ጸሓፊ ዓለማዊ ትካል መጓዓዝያ ባሕሪ ኣርሴኖ ደምኒገዝ ቃል ሂቡ ነይሩ። “መስመር ቀይሕ-ባሕሪ ብዅሉ ኣካላት ውሕስነቱ ክረጋገጽ ኣለዎ” ዝበለ ደምኒገዝ፡ በቲ ዝተፍጥረ ስግኣት ድሮ 18 ትካላት መራኽብ መስመረን ክቕይራ ምውሳነን ሓቢሩ። እዘን መራኽብ ብጽንፊ-ጽቡቕ-ተስፋ ክጓዓዛ እንከለዋ፡ ተወሳኺ 10 መዓልታት ስለ ዝውስኻ፡ ዝፍጠር ዘይምቹእነትን ወሰኽ ዋጋታትን ንዅሉ ሃሳዪ ምዃኑ ኣስሚሩ።
ምብኳር መስመር ቀይሕ-ባሕሪ ነቲ ብርሑቕ ተጠቃሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ቀንዲ ሓደገኝነቱ ነቶም ኣብ ማእከል’ቲ ሓዊ ዝርከቡ የመናውያን’ዩ። ኣሶሴይትድ ፕረስ እቲ ዞባ ኣብ ዝተሓደሰ ምትፍናን ምስ ዝኣቱ፡ ኣስታት 21 ሚልዮን የመናውያን ቀረባት መሰረታዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣይክእሉን’ዮም ይብል።
ቅጥዒ