እቲ ኩነታት ኣብ ዝሓለፈ 27 ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ብዝነበረ ጎንጺ ዝሰዓበ’ዩ፡ የመን ኣብ ልዕሊ ደባይ ተዋጋእቲ ሑቱ ብስዑዲ ዝመራሕ ጥምረት ዝደገፍ ሓይልታት መንግስታት ኣብ ዘካይድዎ ኹናት ጥሒላ ከምትርከብ ይፍለጥ።
ብፍላይ ህጻናት በቲ ለበዳ ሸሮኽ ተሃስዮም ኣለው፡ ፍርቂ ካብቶም 180 ሽሕ በቲ ለበዳ ዝተታሕዙ ድማ ህጻናት እዮም።
እዚ ሰብ ሰርሖ ጥፍኣት’ዩ ክብሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ስቴቨን ኦ ብራያን ገሊጾም።
“እቲ ኣሃዝ ኣዝዩ ዘሰንብድ’ዩ፡ ይገድድ ኸአ’ሎ። እቲ ሕማም ሸሮክ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘሎ ዋሕዲ መግቢን ቀረብ ህክምና እዩ ዘጋጥም ዘሎ ንኹሎም ተዋሳእቲ’ቲ ጎንጺ እዚ ከገልጸሎም ይግባእ።”
ብካልእ ወገን ኦክስፋም ዝተባህለ ገባር ሰናይ ትካል ብሰንኪ’ዚ ለበዳ ሸሮኽ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር ጸዊዑ’ሎ።