ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

የመን፡ ቁጽሪ ሕሙማት ሸሮክ 300,00 ክበጽሕ ይኽእል’ዩ ክብል ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ


ብኩናት ኣብ ዝተሃስየት የመን ቁጽሪ ሕሙማት ኮሌራ (ሸሮኽ) ክሳብ መወዳእታ ነሓሰ ልዕሊ 300,000 ሰባት ክበጽሕ ይኽእል’ዮም ክሳብ ሕጂ ድማ ኣስታት 180,000 ሕሙማት ኮሌራ ኣለው ክብል ሕቡራት ሃገራት ብዓርቢ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩነታት ኣብ ዝሓለፈ 27 ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ብዝነበረ ጎንጺ ዝሰዓበ’ዩ፡ የመን ኣብ ልዕሊ ደባይ ተዋጋእቲ ሑቱ ብስዑዲ ዝመራሕ ጥምረት ዝደገፍ ሓይልታት መንግስታት ኣብ ዘካይድዎ ኹናት ጥሒላ ከምትርከብ ይፍለጥ።

ብፍላይ ህጻናት በቲ ለበዳ ሸሮኽ ተሃስዮም ኣለው፡ ፍርቂ ካብቶም 180 ሽሕ በቲ ለበዳ ዝተታሕዙ ድማ ህጻናት እዮም።

እዚ ሰብ ሰርሖ ጥፍኣት’ዩ ክብሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ስቴቨን ኦ ብራያን ገሊጾም።

“እቲ ኣሃዝ ኣዝዩ ዘሰንብድ’ዩ፡ ይገድድ ኸአ’ሎ። እቲ ሕማም ሸሮክ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘሎ ዋሕዲ መግቢን ቀረብ ህክምና እዩ ዘጋጥም ዘሎ ንኹሎም ተዋሳእቲ’ቲ ጎንጺ እዚ ከገልጸሎም ይግባእ።”

ብካልእ ወገን ኦክስፋም ዝተባህለ ገባር ሰናይ ትካል ብሰንኪ’ዚ ለበዳ ሸሮኽ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር ጸዊዑ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

የመን፡ ቁጽሪ ሕሙማት ሸሮክ 300,00 ክበጽሕ ይኽእል’ዩ ክብል ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:16 0:00

XS
SM
MD
LG