ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ቅልውላው ስደተኛታት ኣውሮጳ ናብ ጎነጽ ክምዕብል ይክእል’ዩ" ሕ/ሃ


ኣብ ትሕቲ ገረብ ዘጽለሉ ስደተኛታት ኣብ ከተማ ኣቴንስ, ግሪክ መጋቢት 1,2016
ኣብ ትሕቲ ገረብ ዘጽለሉ ስደተኛታት ኣብ ከተማ ኣቴንስ, ግሪክ መጋቢት 1,2016

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ኣውሮጳ ብዘጋጠማ ቅልውላው ስደተኛታት ኣብ ጥርዚ ሰብኣዊ ቅልውላው ትርኸብ ክብል የጠንቅቅ።

ብመሰረት ጸብጻብ’ቲ ትካል ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ግሪክ ዝርከቡ ቁጽሪ መጽለሊ ዘድልዮም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ናብ 24,000 ክብ ኢሉ’ሎ። እዚ ቁጽሪ ነቶም ኣብ ዶብ መቄዶንያ ዘለዉ 8,500 ሰባት ወሲኹ’ዩ። በተወሳኺ’ቲ ጸብጻብ እዚ ልዑል ቁጽሪ ስደተኛታት ሕጽረት መግቢ፡ መጽለሊ፡ ዝስተ ማይን ጸገም ንጽህናን የስዕብ ከምዘሎ ይሕብር።

ኣብቲ ትካል ስደተኛታት ተሓባባሪ ጉዳይ ስደተኛታት ኣውሮጳ ቪንሰንት ኮቸተል እዚ ጻዕቒ ምስጋር ዶብ ብፍላይ ብመንገዲ ሃገራት ባልካን ንስደተኛታትትን ፍልሰተኛታትን ተስፋ ዘቁርጽ ይከውን’ሎ ይብሉ።

ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዶባት መቆዶንያ ዝተካየደ ሰላማዊ ሰልፊ ናብ ጎነጽ ከምተቀየረ፡ ፖሊስ ድማ ነቶም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብቲ ሓጹር ኤሌትሪክ ንከርሕቑ ዘንብዕ ጋዝ ከምተጠቐሙ ክፍለጥ ተካኢሉ’ሎ።

ኣብ ዓመተ 2015 ጥራይ ኣስታት 132,000 ሰባት መብዛሕትኦም ደቂ-ኣንስትዮን ህጻናትን ዝኾኑ ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሰገሩ እዚ ድማ ካብቲ አብ ቀዳማይ ፍርቂ’ቲ ዓመት ተመሳሳሊ ጉዕዞ ዝፈጸሙ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝበዝሑ ምኳኖም፡ ካብኦም’ቶም ዝበዝሑ ድማ አብ ግሪክ ምእታዎም ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅልውላው ስደተኛታት ኣውሮጳ ናብ ጎነጽ ክምዕብል ይክእል’ዩ ይብል ሕ/ሃ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:47 0:00

XS
SM
MD
LG