ብመሰረት ጸብጻብ’ቲ ትካል ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ግሪክ ዝርከቡ ቁጽሪ መጽለሊ ዘድልዮም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ናብ 24,000 ክብ ኢሉ’ሎ። እዚ ቁጽሪ ነቶም ኣብ ዶብ መቄዶንያ ዘለዉ 8,500 ሰባት ወሲኹ’ዩ። በተወሳኺ’ቲ ጸብጻብ እዚ ልዑል ቁጽሪ ስደተኛታት ሕጽረት መግቢ፡ መጽለሊ፡ ዝስተ ማይን ጸገም ንጽህናን የስዕብ ከምዘሎ ይሕብር።
ኣብቲ ትካል ስደተኛታት ተሓባባሪ ጉዳይ ስደተኛታት ኣውሮጳ ቪንሰንት ኮቸተል እዚ ጻዕቒ ምስጋር ዶብ ብፍላይ ብመንገዲ ሃገራት ባልካን ንስደተኛታትትን ፍልሰተኛታትን ተስፋ ዘቁርጽ ይከውን’ሎ ይብሉ።
ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዶባት መቆዶንያ ዝተካየደ ሰላማዊ ሰልፊ ናብ ጎነጽ ከምተቀየረ፡ ፖሊስ ድማ ነቶም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብቲ ሓጹር ኤሌትሪክ ንከርሕቑ ዘንብዕ ጋዝ ከምተጠቐሙ ክፍለጥ ተካኢሉ’ሎ።
ኣብ ዓመተ 2015 ጥራይ ኣስታት 132,000 ሰባት መብዛሕትኦም ደቂ-ኣንስትዮን ህጻናትን ዝኾኑ ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሰገሩ እዚ ድማ ካብቲ አብ ቀዳማይ ፍርቂ’ቲ ዓመት ተመሳሳሊ ጉዕዞ ዝፈጸሙ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝበዝሑ ምኳኖም፡ ካብኦም’ቶም ዝበዝሑ ድማ አብ ግሪክ ምእታዎም ተፈሊጡ’ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።