ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ኤርትራዊያን ከይትሰጉግ ሕ/ሃ ኣጠንቂቑ


ኣብ መንጎ ሓተትቲ ዑቕባ ኤርትራዊያን ኣብ እስራኤል ድሕሪ ዘጋጠመ ግጭት፣ መንግስቲ እስራኤል ጅምላዊ ምጥራዝ ኤርትራዊያን ንከይትግብር ሕ/ሃ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ሕ/ሃ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ጅምላዊ ጥረዛ ስደተኛታት ንዓለምለኸ ሕጊ ዝጥሕስን፣ ከቢድ ሳዕቤን ዝህልዎን’ውን እዩ" ከምዝበለ ትካል ዜና ፈረንሳ ገሊጹ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣንጻር እቲ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘዳለውዎ ዝኽረ በዓል ዝነበረ ሰልፊ ተቓውሞ፣ ናብ ህውከት ተቐይሩ፣ ልዕሊ 200 ሰባት ዝቆሰልሉ ክስተት ኣዝዩ ከምዘሻቀሎ ሓቢሩ።

እቲ ግጭት ዝጀመረ፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ እቲ ኣብ ቴልኣቪቭ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ዝኽሪ በዓል ንከይቅጽል ንምግታእ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን እዩ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ ህድኣትን ዓቅሊን ንክህሉ፣ ኩሎም ወገናት፣ እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ንከይዓርግ ክንዲ ዝካኣሎም ንክገብሩ ምጽውዑ ዊልያም ስፒንድለር ኣብ ጄነቫ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ'ሎ።

ብዛዕባ ኣገዳስነት ተሓታትነትን ዝገለጸ ዊልያም ስፒንድለር፤ እስራኤል ኣብ ግዝኣታ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ጅምላዊ ስጉምቲ ንከይትወስድ ኣጠንቂቁ። ንሱ ወሲኹ "ንኩሎም ኤርትራዊያን ሓተቲ ዑቕባ ዝምልከት ውሳነ ምሕላፍ፣ ወይ ኣብ ሓደጋ ናብ ዝወድቁላ ሃገር ምጥራዝ፣ ማዕረ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ እዩ" ይብል።

መግለጺ ሕ/ሃ ይቃላሕ ዘሎ፣ ቀ/ሚ እስራኤል ንሓደ ሽሕ ኣብ’ቲ ግጭት ዝተሳተፉ ኤርትራዊያን ክንጥርዞም ኢና ድሕሪ ምባሎም እዩ።

ዊልያም ስፕሊንደር ግና "ኩነታት ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፣ ኣዝዩ ምልካዊ ስርዓትን ዘይተቐየረ ምስ ምዃኑን ተኣሳሲሩ፣ ሰባት ናብ’ታ ሃገር ምጥራዝ፣ ከቢድ ሰብኣዊ ሳዕቤን ከምጽእ እዩ" ድሕሪ ምባል "መብዛሕትኦም ኤርትራዊያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል ሰላማዊያንን ኣኽበርቲ ሕጊን እዮም" ኢሉ።

ኣብ እስራኤል 17.850 ኤርትራዊያን ሓተቲ ዑቕባ ከምዘለው ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትምሕባሩ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG