ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እምባጋሮ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ናይ ምስጓግ ሕቶ የላዕል


ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢንያሚን ናታንያሁ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ በዓል ኤርትራውያን ብቐዳም ድሕሪ ዘጋጠመ ዕግርግር፡ ኣብቲ ህውከት ኢድ ነይሩዎም ዝብሎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ንምጥራዝ ካቢነኡ ይዝቲ ከም ዘሎ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣስፊሩ።

ኣብቲ ብቐዳም ዘጓነፈ ህውከት፡ ኣብ መንጎ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝድገፍ ዝኽሪ በዓል ብረታዊ ቃልሲ ዝቃወሙን ዝድግፉን፣ ብዝተላዕለ እምባጋሮ ካብ ክልቲኡ ወገናት 140 ሰባት ምቝሳሎም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣስፊሩ'ሎ። ንምንጭታት ሕክምና ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብወገኑ ቁጽሪ ኣብቲ እምባጋሮ ዝቖሰሉን ክሕከሙ ዝመጽኡን 114'ዩ ክብል ኣስፊሩ ኣሎ። ካብ መንጎ’ቶም ኣብቲ ባእሲ ዝቖሰሉ ኣባላት ፖሊስ እስራኤል ይርከቡዎም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ነቲ ባእሲ ንምትዕራቕን ምብታንን 49 ኣባላት ፖሊስ ከም ዝቖሰሉ ንምንጭታት ፖሊስ እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጠቒሱ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስን ሮይተርስን ግን ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝቖሰሉ ኣባላት ፖሊስ 30 ምዃኖም’ዮም ኣመልኪተን።

ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ዝዘውር ዝነበረ ምስልታት፡ ደገፍቲን ተቓወምቲን መንግስቲ ኤርትራ ዝዀኑ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ካብ ናይ ቀረባ ርሕቀት ብኣማንን በትሪን ክተሃራረሙን ክዳረብዩን ይርኣዩ። ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብቲ ዓቢ እምባጋሮ ተዳልዮም ምምጻኦምን ንወገናቶም ዝውክል ማልያ ለቢሶም ምንባሮምን ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝካፈል ዝነበረ ምስልታት ንምርኣይ ይክኣል። ክልቲኦም ወገናት ኣእማን፡ ኣባትር፡ መሳርሒ ህንጻ ዝዀነ ባላሕቲ ነገራትን ዓጢቖም’ዮም መጺኦም።

ፖሊስ ነቲ እምባጋሮ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ፈቲኖም ምዃን ምስ ኣበዮም ጥይት ተኲሶም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ “ቀይሕ መስመር” ሰጊሮም ክብል ገሊጹ።

ናታያንሁ ኣብ መግለጺኡ፡ “እዚ ዘጋጠመ ናዕቢ’ዩ። ደም ምፍሳስን ናዕቢን ከኣ ኣይነፍቅድን ኢና። ነቶም ዝቖሰሉ ኣባላት ፖሊስ ቅልጡፍ ሕውየት ይምነየሎም፡ ነቶም ነቲ ጥፍኣት ዝፈጸሙ ግን ስጕምቲ ክንወስድ ኢና፡” ኢሉ።

ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ነቲ ጉዳይ እተጻሪ፡ ኣባላት ካቢነ ዝሓዘት ኮሚተ ቆይማ ኣላ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብታ ኮሚተ፡ ንኣስታት ሽሕ ዝበጽሑ፡ ኣብቲ ዕግርግር ዝተሳተፉ ደገፍቲ እቲ ስርዓት ናብ ሃገሮም ምጥራዝ ዝሓዘ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና፡” ኢሉ።

ናታንያሁ ኣስዒቡ፡ “ነቲ ስርዓት ዝድግፉ እንተዀይኖም ስደተኛታት ክትብሎም ዝከኣል ኣይኰነን። ስለዚ ድማ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ነቲ ስርዓት ይደግፉዎ፡” ኢሉ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ኣንጻር ወጻእተኛታት ብዘለዎ ጽኑዕ መርገጺ ዝፍለጥ ሚኒስተር ጸጥታ እስራኤል ኢምታር በን-ገቪር ትማሊ ሰንበት ናብቲ ቦታ ፍጻመ በጺሑ ነይሩ። እቲ ሚኒስተር ጸጥታ፡ “ኵላቶም ሕጊ ዝጠሓሱ ክእሰሩ ኣለዎም። ካብዛ ሃገር ክሳብ ዝወጽኡ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ ኣለዎ፡ እዚ ቦታኦም ኣይኰነን፡” ኢሉ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ ክሳብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ እስራኤል 17,850 ምዝጉባት ሓተትቲ ዑቕባ ነይሮም። እቲ ኣሃዝ ክሳብ 30-ሽሕ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ግን ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣስፊሩ ኣሎ።

እስራኤል ንኣዝዮም ውሑዳት እንተዘይኰይኖም መሰል ዑቕባ ኣይትህብን’ያ። ሰብ-መዚ እስራኤል ነቶም ሓተትቲ ዑቕባ “ናብታ ሃገር ሰሊኾም ዝኣትዉ፡” ብዝብል ስም’ዮም ዝጽውዑዎም።

ነቶም ስደተኛታት ዝጣብቑ ወገናት፡ እስራኤል ብስደተኛታትን ካብ ግፍዒ ዝሃደሙን ዝቖመት ሃገር ስለ ዝዀነት፡ ነቶም ሓተትቲ ዑቕባ ከተዕቁቦም ይጣበቑ። ነቐፍቲ ግን ናብቲ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ዜጋታት ኣከባቢ ቴልኣቪቭ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፡ ገበናትን ዘይምርግጋእን ኣምጺኦም ኢሎም ይኸሱ።

ኣብ እስራኤል እቶም ቀንዲ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን’ዮም። ሽሕ እኳ ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ ነቶም ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ክሰጎም ይሓስብ ከም ዘሎ እንተ ገለጸ፡ እታ ሃገር ብዝፈረመቶ ውዕላት ግን እቲ ስራሕ ቀሊል ከም ዘይኰነ ኣሶሴይትድ ፕረስ የመልክት። እንተዀነ እታ ሃገር መሰል ዑቕባ ስለ ዘይትህብን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎት እቶም ስደተኛታት ኣዝያ ስለ እትድርትን፡ ካብታ ሃገር ንኽወጹ ብተዘዋዋሪ ተሪር ጸቕጢ ትገብር።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018 ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ነቲ ኣብ እዋኑ እስራኤል 3,500 ዶላር ከፊላ ንምፍናው ስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን እትገብሮ ዝነበረት ፈተነ ነቒፉ ነይሩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መግለጺኡ፡ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ናብታ ሃገር ንምእታው ብዙሕ ዋጋ ስለ ዝኸፍሉ፡ ሕጂ ካብታ ሃገር ክፋነዉ እንተዀይኖም ክሳብ 50-ሽሕ ዶላር መጣየሲ ብርኪ ከም ዘድልዮም ኣብ እዋኑ ገሊጹ ነይሩ።

እስራኤል ዛጊት ናብ ኤርትራ ዝመለሰቶም ሓተትቲ ዑቕባ የለዉን። ቅድሚ ሕጂ ግን ነቶም ኣብ ማእሰርቲ ሃሎት ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብ ሩዋንዳ ከም ዝለኣኸቶም ይዝከር።

ብስም ኤምባሲ ሃገር ኤርትራ ኣብ እስራኤል፡ ሎሚ ኣብ ወግዓዊ መራኸቢታት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተለጠፈ ጽሑፍ፡ እቲ ማሕበረኮም ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ንጥፈታቱ ንምክያድ ጸገም ከም ዘይጸንሖ ድሕሪ ምግላጽን ዝርዝር ናይቲ ኣመዓባባላ እቲ ፍጻመታት ድሕሪ ምሕባርን፤ "ንመንግስቲ ኤርትራ ንምድዋን ዝከየድ ዘሎ ናይ ማዕከናት ዜና ይኹን ገለ ሰበ-ስልጣን እስራኤል ዘይሓላፍነትዊ መግለጺታትን ጠቐነታትን፡ ዶብ ክግበረሉ የድሊ፡" ክብል ኣስፊሩ።

እቲ መግለጺ፤ "ካብዞም 'ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ' ተመሲሎም በብግዜኡ ጸገማት ከፈጥሩ ዝጸንሑ ድማ ብዙሓት ዘይኤርትራውያን እዮም፡" ይንበብ።

ናይ ሎሚ ዓመት፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ዘለዎ ፈስቲቫላትን ጽንብላትን ወጻኢ ሃገራት፡ ኣብ በበይኑ ሃገራት ሰፊሕ ተቓውሞ ክገጥሞ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ጊሰን ጀርመን፣ ስቶኮሎም ሽወደን፡ ሲያትል ኣመሪካን ቶሮንቶ ካናዳ ዝተኻየደ ፈስቲቫላት ንጎነጽ ዝመርሐ ተቓውሞ ተርእዩዎ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG