ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ሕቡራት መንግስታት መርመርቲ ኣፅዋር ምስ ግዳያት ኬሚካላዊ ኣፅዋር ተራኺቦም


An image grab taken from a video posted by Syrian activists on Aug. 26, 2013 allegdly shows a UN inspector (R) listening to the testimony of a man in the Damascus subburb of Moadamiyet al-Sham.
An image grab taken from a video posted by Syrian activists on Aug. 26, 2013 allegdly shows a UN inspector (R) listening to the testimony of a man in the Damascus subburb of Moadamiyet al-Sham.
ናይ ሕቡራት መንግስታት መርመርቲ ኣፅዋር ግዳያት መጥቓዕቲ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ምስ ዝተብሃሉ ሰባት ሎማዕንቲ ሰኒ ተራኺቦም።እቲ መርማሪ ጉጅለ ቅድም ክብል ብዓሊሞም ተኮስቲ /ስናይፐርስ/ መጥቓዕቲ ዝተፈፀሞ እንተኾነ እውን ድሕሪ ዝተወሰነ ምድንጓይ ስርሑ ቀፂሉ።እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ምዕራባዊያን ሓያላት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ብዛዕባ ዝውሰድ ስጉምቲ ይዛራረቡ ኣለው።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ጉጅለ መርማሪ ኒኩሌራዊ ኣፅዋር ብወታደራት ተዓጂቡ መጥቓዕትታት መርዛም ጋዝ ተፈፂሙዎም ካብ ዝተብሃሉ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ሓደ ዝኾነ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዓመፅቲ ናብ ዝርከብ ደቡባዊ ምዕራብ ሞኣዳሚያ ከምዝኣተወ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ሶሪያ ፀብፂባ።

እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ጉጅለ ካብቲ መጥቓዕቲ ብህይወት ንዝተረፉ ንምዝርራብን ተፈፂሙ ንምዃኑ መርኣያ ውይ ቁንጣር ክወስዱን ማኦዳሚያ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዑደት ምፍፃሞም ናይ ሶሪያ ተቓወምቲ ሓቢሮም።ዓመፅትን መንግስትን ሶሪያ ንሞት ኣማእቲ ሰባት ነንሕድሕዶም ይካሰሱ።

ቅድም ክብል ጉጅለ ሕቡራት መንግስታት ንዝሓዛ ኮንቨይ ትመርሕ ዝነበረት መኪና ካብ ዓሊሞም ተኮስቲ መጥቓዕቲ ተፈፂሙዋ እንተነበረ እውን ድሕሪ ዝተወሰነ ምድኑጓይ ልኡኽቱኡ ቀፂሉ።

ክልቲኦም ወገና ንናይ ሕቡራት መንግስታት መርመራቲ ዒላማ ኣይገበርናን ይብሉ።
ናይ ሶሪያ ፕሬዝዳንት በሽር ኣል-ኣሳድ ንናይ ሩሲያ ጋዜጣ ሊዝቨስቲያ ኣብዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ወታደራቶም ተፈፂሙ ንዝተብሃለ ኬሚካላዊ መጥቓዕቲ ተሓተትቲ ኣይኮኑን ኢሎም።

ብኻሊእ ዜና ሓይልታት ዓምፅቲ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኢድሊድ ንእትርከብን ወታደራት መንግስቲ ሶሪያ ናብ ከተማ ኣሌፖ ንምጉዓዝ ዝጥቀምሉ ኣውራ መንገዲ ዝሓለፈላን ንከተማ ኻናስር ከምዝተቛፀፅርዋ ፀብፃባት ዜና ሓቢረን።

ብኻሊ ወገን እሙናት ሓይልትታ ፕሬዝዳንት ኣሳድ ነቲ ተግባር ፈፂሞምዎ ኢሎም ከምዝኣሙኑ ምዕራባዊያን ሓያላት ሃገራት ይገልፁ ኣለው።መራሕቲ ዩናይትድ ስቴትስ፣ብሪታኒያን ፈረንሳይን ብዛዕባ ዝውሰድ ዓይነት ስጉምቲ ኣብ ዝርርብ ይርከቡ።
ፕሬዝዳንት ኣሳድ ምስ ንናይ ሩሲያ ጋዜጣ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ግን ዝኾነ ይኹን ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ወታደራዊ ጣልቃ ምእታው ክፈሽል እዩ ኢሎም።

ናይ ሩስያ ምንስቴር ወፃኢ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ምዕራባዊያን ሓይልታት ብዘይካ ናይ ሕቡራት መንግስታት ፍቓድ ወታደራዊ ጣልቃ ከይኣትው ኣጠንቂቖም።ፍቓድ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ዘይሓዘ ሓይሊ ኣዝዩ ከቢድ ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሕጊ እዩ ኢሎምዎ።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ምክልኻል ቻክ ሄጊል ትማሊ ሰንበት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ፕሬዝዳንት ኦባማ እንድሕሪድኣ ፅዲቖምዎ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሓይልታት ኣንፃር ሶሪያ ስጉምቲ ንምውሳድ ተዳሊዮም ኣለው ኢሎም ነይሮም።

ሎማዕንቲ ሰኒ ኣብ ኢንዶኖዥያ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ግን ዩናይትድ ስቴትስ በይናዊ ስጉምቲ ኣይትወስድን ኢሎም።’’ዝውሰድ ስጉምቲ እንተድኣ ሃሊዩ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምስምማዕን ኣብ ክሊ ሕጋዊ ስልጣንን ዝተመስረተ እዩ ክኸውን።’’

እቶም መርመርቲ ናብቲ ከባቢ ንኸይጉዓዙ እቲ መጥቓዕቲ ምስ ተፈፀመ ድሕሪ ሓሙሽተ ማዕልታት ፍቓድ ከሊኣቶም ክትብል ዩናይትድ ስቴትስ ንሶሪያ ነቒፋታ።
XS
SM
MD
LG