ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ፣ሰሜን ኮሪያን ምጥሓስ እገዳ ኣፅዋር ሕቡራት መንግስትን


ኤርትራ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ እገዳ ኣፅዋር ብምጥሓስ ካብ ሰሜን ኮሪያ ወታደራዊ መራኸቢ መሳርሕታት ገዚኣ ክብል ሓደ ናይ ሕቡራት መንግስታት ሪፖርት ከሲሱዋሎ።ብሰንኪ እዚ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ማዕቐብ ኣንቢራላ።

ኤርትራ በዚ ንሰሜን ኮሪያ ዝከታተል ናይ ሕቡራት መንግስታት ጉጅለ ተቖፃፅሪ እገዳታት ስማ ክፅራሕ ንተኸታታሊ ሳልሳይ ዓመት ምዃኑ ኣተሓባባሪ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ጉጅለ ግሪፊትስ ይገልፁ።’’ኤርትራ በቲ ኮምቴ ኣብ 2015ን፣ኣብ 2016 ሎሚ ዘበን 2017 ኣብዝተዳለወ ሪፖርት ተጠቒሱሎ’’ይብሉ።

በዚ ምኽንያት ዩናይትድ ስቴትስ ንኢራን፣ሶሪያን ሰሜን ኮሪያን ዒላማ ብዝገብር ናይ እገዳ ሕጊ ምስ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ መሸጣን ርክብን ኣቑሑት ንከይገብር ኣጊዳላ።

ኤርትራ ካብተን ካብ ሰሜን ኮሪያ ኣፃዋር ብምዕዳግ፣ወታደራዊ ናውቲ ወይ ስልጠና ብምርካብ ንእገዳታት ኣፅዋር ዝጥሓሳ ሸውዓተ ሃገራት ሓንቲ እያ።

ኤርትራ ኣብ 2016 / ናይ GPS ኣንቴታት፣ማይክሮፎን ኬቢላትን ሓዊሱ 45 ሳንዱቓት ወታደራዊ ረድዮታት ክተእቲ ፈቲና ቅድሚ ምብፅሑ ምትሓዙ እቲ ጉጅለ ይሕብር።

እቲ ኣቑሑት ናይ ሰሜን ኮሪያ ኣቑሑት ብዝሸይጥ ግሎኮም ዝተብሃለ ናይ ማሌዢያ ኩባኒያ ከምዝተሸጠ ሕቡራት መንግስትታ ገሊፁሎ።

ናይ ኤርትራ መንግስቲ መሓውር ‘’Green Pine’’ ካብ ዝተብሃለ ኩባኒያ ሰሜን ኮሪያ ወታደራውን ቴክኒካውን ሓገዝ ምርካቡ ቅድሚ ኢሉ ዝወፀ ሪፖርት ይገልፅ።

ምንስቴር ሓበሬታ ኤርትራ ነቲ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሓድሽ እገዳ መርትዖ ብዘይብሉን ቅድሚ ዓመታት ብዝቐረበን ተመሳሳሊ ጠቐነን ዝቐረበ እዩ ክብል ነፂጉዎ።

‘’እቲ ኣካይዳ’’ ኢሉ ብምንስትሪ ሓበሬታ ዝወፀ መግለፂ ‘’እቲ ዘሕዝን ሓደ ዓይነት ኣካይዳ ምዃኑ እዩ’’ ’’ቀዲሙ ናይ ሓሶት ፀብፃባት ይወፅእ፣ስዒቡ ብቶም ባዕላቶም ከሰስቲ፣ዓቃቢ ሕግን ዳኛን ዝኾኑ ልሙዳት ሃንደስቲ ዘይሕጋዊ ስጉምትታት ይእወጅ’’ ክብሉ ብትሪ ይነፅጎ መንግስቲ ኤርትራ።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG