ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ኣብ ድርኩኺት ምሉእ ኲናት ሓድሕድ'ያ ክብሉ ዋ/ጸሓፊ ሕ/ሃ የጠንቅቑ


ፋይል
ፋይል

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ጎንፂ ሱዳን ንምሉእ’ቲ ዞባ ክህውኽ ናብ ዝኽእል ድርኩኺት ምሉእ ኲናት ሓድሕድ በፂሑ’ሎ ክብሉ ትማሊ ሰንበት አጠንቂቖም። ሕቡራት ሃገራት ነዚ ዘፍለጠ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ መንበሪ ከባቢታት ልዕሊ 20 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ’ዩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና'ታ ሃገር ኣብ ከተማ ኡምዱርማን ከባቢ 'ዳርኢልሰላም' ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት 22-ሰባት ሞይቶም ብዙሓት ድማ ኸኣ ቆሲሎም ክብል ኣፍሊጡ'ሎ።

ኲናት ኣብ መንጎ ክልተ ጀነራላት ሱዳን ካብ ዝውላዕ ዳርጋ ሰለስተ ኣዋርሕ እዚ ዝኸፍኣ ደብዳብ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።

ሚንስተር ጥዕና ሃቲም መሓመድ ኢብራሂም ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ በዚ ጎንፂ ከባቢ 3-ሽሕ ሰባት ምሟቶምን 6,000 ምቁሳሎም፡ እቲ ቁጽሪ ካብዚ ክልዕል ከምዝኽእል ልዕሊ 2.9 ሚልዮን ድማ ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ሓቢሮም። ፆታዊ ዓመፅ፡ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ቅትለት፡ሰፊሕ ስርቂ ከምኡ'ውን ኣብ ዳርፉር ገበናት ፀረ- ሰብኣውነት ተፈፂሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቁቑ’ሎ።

ብሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳን ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገፁ ኣብ ዝተዘርግሖ ቪድዮ ናይ ሓያለ ደቀንስትዮ ዝርከብዎ ሬሳታት የርእይ። ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ሓይሊ ቁፅሪ በቲ ደብዳብ ነፈርቲ ዝሞቱ ሰባት 31 ክብል ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንነጀው እዚ ወሃቢ ድጋፍ ሓይሊ መደበራቱ ኣብ መንበሪ ከባቢታት ብምግባሩ ንሰላማውያን ሰባት ካብ ኣባይቶም ክወፁ ከምዝገድድዎም ይኽሰሱ።

ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፋራህ ሃቅ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ነቲ ናይ ትማሊ ናይ ኡምዱርማን ደብዳብ ነፋርት ከምዝኾነንዎ ሓቢሮም ኣለው።

ንጉዳይ ሱዳን ዝከታተሉ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝኾና ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክራኸቡ’ዮም። መራሕቲ ተፃባእቲ ሓይልታት ሱዳን ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን መሓመድ ሃምደን ዳግሎን ተዓዶሞም ግን ከምዝርከቡ መረጋገፂ ኣይሃቡን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG