ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዎ ኣረኣእያ ክልውጥ ኣለዎ ` ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት


ጠቅላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት አንቶኒ ጉተረስ
ጠቅላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት አንቶኒ ጉተረስ

ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንኣፍሪቃ ዝህቦ ኣገላልጻ ክልወጥ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ረቡዕ ጻውዒት ኣቕሪቡ። ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ሃገራት ምስ ኣፍሪቃ ብሓባር ክሰርሓን፡ ግጭታት ቅድሚ ምምዕባሉ ክከላኸላን ይጽውዕ። “ምሕያል ኣፍሪቃዊ ዓቕሚ፡ ንዓለማዊ ሰላም ኣብ እንህቦ ምላሽን ንርእሰ-ምርኮሳ ኣህጉረ-ኣፍሪቃን ኣገዳሲ`ዩ” ኢሎም።

ኣብ`ቲ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዝተገብረ ዘተ፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኒኪ ሃለይ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ዓጸቦ ምልክት ሓባራዊ ፍሽለት`ዩ ብምባል ናብ ግጭታት ንዘምርሕ ዘሎ ቕልውላው ተሓተቲ ባዕላተን እተን ተዋሳእቲ ሃገራት`የን ኢለን።

ሰላምን ፀጥታን ኣብ ኣፍሪቃ ብዝብል ብቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ኣብዝተኻየደ ክትዕ “ዓፀቦ ኣብ 2017 ዓ.ም ክርአ አይነበሮን’’ ክብላ ገሊፀን።

“ሎሚ ልዕሊ 14 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀሪያ፣ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ሓደጋ ዓፀቦ ወዲቖም ኣለው።ሰባት ብዘምፅእዎ ኣበሳ፣ብሰንኪ ጥምየት እምበር ብናይ እግዚኣብሄር ግብሪ ኣይኮኑን ዝሞቱ ዘለው ’’ኢለን።

ኣምባሳደር ሃሊ ኣብ ናይጀሪያ፣ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ኲናት፣ህውከትን ግብረሽበራን ዝፈጠሩ፣ሰብኣዊ ረድኤት ናብዝደልዩ ከይብፅሕ ዝገበሩ ተሓተቲ እዮም ኢለን።

ንሰን ብተወሳኺ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ “ምላሸን ከሐይላን’’፡ መንቀሊ ኲናት ኣብ ምፍላይ፣ሰላምን ፀጥታን ኣብ ምስፋንን ምስ ሕቡራት ክሰርሓ’ውን ጸዊዓን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG