ውግእ ሶርያን ዒራቅን ዝጠንቁ ዕቑባ፣ብኢንዱስትሪ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት፣መጠን ሓተቲ ዕቑባ ኣብ ውሽጢ 22 ዓመታት ተራእዩ ዝይፈልጥ ገይሩዎ’ሎ።
ኣብ 44 ማዕበልቲ ሃገራት ዓሚ ጥራሕ 866 ሽሕ ሰባት ዕቁባ ምሕታቶም ትካል ስዱዳት ሕ/ሃ ገሊፁ’ሎ።ካብ’ታ ናይ ቅድሚኣ ዓመት ብ45 ሚእታዊ ወሲኹ’ዩ ተራእዩ።
ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዕቑባ ካብ ዝሓተቱ 5 ሰባት እቲ ሓደ ሶርያዊ’ዩ። ካልኣይ ዒራቃዊያን፣ሳልሳይ ኣፍጋኒስታዊያን፣ራብዓይን ሓምሻይን ተሰሪዖም ዘለው ሰርባዊያንን ኤርትራዊያንን’ዮም።
ብመጠን ምቅባል እታ ብበዝሒ ሓተቲ ዕቁባ ትቕበል ጀርመን’ያ።173 ሽሕ ሰባት።ኣሜሪካ 120 ሽሕ ሰባት ተቐቢላ መብዛሕተኦም ካብ ሜክሲኮን ሃገራት ማእከላይ ኣሜሪካ።ቱርክይ፣ስዊድንን ጣልያንን’ውን ካልኦት ተቐበልቲ ኣጋይሽ ኮይነን’ለዋ።
ዓሚ ጥራሕ 63,700 ሓደሽቲ ሓተቲ ዕቑባ ብምቕባል ክብረ-ወሰን ኣብ ሓደ ዓመት ዘመዝገበት ጣልያን ትብል ወሃቢት-ቃል ትካል ስዱዳት ሕ/ሃ መሊሳ ፍለሚንግ፡መብዛሕተኦም ካብ ማሊ፣ናይጀርያን ጋምቢያን’ዮም ትብል።
“መብዛሕተኦም ብጀላቡ ዝጓዓዙ ሰባት ብሜደትራንያን ኣቛሪፆም’ዮም ናብ ዓዲ ጣልያን ዝኣትው።ከምኡ ኮይኑ’ውን ኣብ ዓዲ ጣልያን ኣይፀንሑን። እቶም ኣብ ጣልያን ዝፀንሑ ካብ’ተን ዝጠቀስኩወን ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመፁ ሰባት’ዮም።ፍርቂ’ቶም ብጀላቡ ንሜደትራንያን ዝሰግሩ ግና ሶርያዊያንን ኤርትራዊያንን’ዮም”።
ሩስያ 265, 400 ሰባት ጊዚያዊ ዕቁባ ዝሓተተትሉ ኩነታት ዘስደምም ምዕባለ’ዩ ትብል መሊሳ ፍለሚንግ።5,800 ሕቶ ዕቑባ ዘቕረቡ ኡክረናዊያን እዮም።
ካልኦት ሃገራት ከም’ቲ ጀርመንን ስዊድንን ዘርእየኦ ልግሲ ንከርእያ መፀዋዕታ ተቕርብ ወሃቢት-ቃል ሕ/ሃ።