ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ ሰራዊት ሩስያ፡ ብዘይምቍራጽ ንኸተማ ካሪቭ ናይ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክሬን ደብዲቦማ። እዚ እናዀነ ግን እታ ከተማ መዓልታዊ ንጥፈታታ ኣየቋረጸትን። መዓልታዊ ንግዳዊ ስራሓት ዘካይዱን ወለንታዊ ስራሕ ዝዓዩን ነቲ ዘይዓረፈ ኣባል ማሕበረሰቦም ተስፋ ክህቡዎ ይሰርሑ ትብል ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ካሪቭ።
ነባሪት ካሪቭ ዝዀነት ኦልጋ ዞሎትንስካ፡ ወራር ሩስያ ካብ ዝጅምር ንደሓር ነታ ከተማ ኣይሓደገታን። ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ዝጸንሐ ትካል ምድላው ሕብስቲ’ውን ኣይተዓጽወን።
እንተኾነ ግን ቦምባታት ቍሩብ ሜትሮታት ካብ ቤታ ርሒቑ ምውዳቕ ኣይዓረፈን። ኦልጋ ንሰራሕተኛታታ፡ ንሰራዊት ዩክሬን ዝውዕል ምስንካት ባኒ ክቕጽሉ’ያ እትጽውዕ። ብዛዕባ ተኽእሎታት ዕርቂ ከም ዘሎ ሰሚዓ’ያ። ነቲ ኲናት ኣብ መፈጸምታ ከብጽሖ ዝኽእል ግን ቃልሲ ምቕጻል ምዃኑ ትኣምን። ሰራዊትና ጥራይ’ዩ ውሕስነት ሰላም ክህበና ዝኽእል ድማ ትብል።
ወዲ 62 ዓመት ጆን ቮሮበይ ነባሪ ካናዳ ኰይኑ፡ ካብ ጀርመናውያን ዩክሬናውያንን ስድራቤት ዝተወልደ’ዩ። ዝዓለፈ ዓመት’ዩ ብወለንታ ከገልግል ናብ ካሪቭ መጺኡ።
“ኣብ ሓደ ንወታሃደራት ጥራይ ሓገዝ መግቢ ዝህብ ናይ ውልቂ ትካል መግቢ’የ ዝሰርሕ። ብዘይካ ንወታሃደራት፡ እቲ ክሽነ ንኽልተ ሆስፒታላት ዝኸውን መግቢ’ውን የዳሉ’ዩ። መዓልታዊ ንወታሃደራት 800 ጠላባት፡ ንሆስፒታላት ድማ ንኣስታት 400 ሰባት ዝቕልብ መግቢ ነዳሉ።”
ቮርበይ ኣብ ሰራዊት ካናዳ ንሽዱሽተ ዓመት ኣገልጊሉ’ዩ። ንሰራዊት ዩክሬን ዝግበር ሓገዝ፡ ነታ ሃገር ሰላም ኣብ ምምጻእ ክሕግዛ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
“ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም እንግሊዝ ሓገዝ ምስ ሓተተት፡ ሓደ ሚልዮን ካብቶም ሽውዓት ሚልዮን ካናዳውያን ክሕግዙ ንኤውሮጳ መጺኦም። ኣብዚ ናይ ዩክሬን ግን ኣስታት ሓደ ሚእቲ ሽሕ ዝበጽሑ’ኳ ክንረክብ ኣይክኣልናን። ዘሕፍር’ዩ።”
ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ስራሓት መሸጣ ህንጻ ዝነጥፍ ዝነበረ ዲምትሮ ኩቶቪ፡ ድሕሪ ምጅማር ወራር ሩስያ ናይ ቀደም ስራሓቱ ገዲፉ፡ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ድጋፍ ኣብ ዝህብ ማእከል’ዩ ብወለንታ ይሰርሕ ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ 2022 ድሕሪ ዝወደቐ ቦምባ፡ ጭላፍ ንሕቖኡ ሃሪሙዎ ነይሩ። እንተዀነ እዚ ግን ንስራሓቱ ዝተዓናቕፎ ኣይኰነን። ንዕኡን ንኻልኦት ከምኡ ዝመስሉን እቲ እንኮ ኣማራጺ ዩክሬን ምሉእ መሬታዊ ግዝኣታ ምስ መለሰት ጥራይ’ዩ። ንሱ ክሳብ ዝኸውን ቃልሱ ክቕጽል ምዃኑ ድማ ይነግር።
ኦልጋ ዞሎትንስካ ዩክሬን ብሩህ መጻኢ ከም ዘለዋ ትኣምን። ነዚ ንምዝኽኻር እምበኣር’ያ ቀጻሊ ንግሆ ስራሕ ቅድሚ ምጅማራ ንሰራሕተኛታታ ኣኪባ መተባብዒ ቃላት እትሰምዖም።
“ወትሩ ንግሆ ተንሲእና፡ ብሓደ ሓቢርና ኣእዳውና ንተሓሓዝ። ክቢ ፍቕሪ ኢና እንብሎ። ድሕሪኡ ድማ ነቲ ነዚ ክንርኢ ዘኽኣለና ዕድል ነመስግን።”
ጆን ቮሮብይ’ውን ተመሳሳሊ ስምዒት’ዩ ዘለዎ። ናብ ሰራዊት ዩክሬን ክጽንበር መዲቡ፡ ብምኽንያት ዕድመ ግን መሊሶሞ። እንተዀነ ኣብዚ ከተማ እናነበረ ንሰራዊት ዩክሬን ዝኸውን በበይኑ ሓገዛት የበርክት።
ቅጥዒ