ዋሽንግተን —
ብቐዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሩሺ ሱናክ ዝተጸውዐ፡ ንውሕስነትን ሓላፍነታዊ ኣጠቓቕማን ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝምልከት ዋዕላ ሎሚ ረቡዕ 1 ሕዳር 2023 ኣብ ሎንደን ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ዋዕላ ንመራሕቲን ተመራመርቲን ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ዝሓቖፈ ኰይኑ፡ ንምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካማላ ሃሪስ’ውን ዝሓዘ’ዩ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብዚ ዋዕላ ካብ ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂን ሓንጸጽቲ ፖሊስን ዝዀነ ኣስታት 100 ዜጋታት ካብ 28 ሃገራት ይሳተፉ ኣለዉ።
እቲ ዋዕላ ንሓደገኝነትን ዘይተገመተ ሳዕቤንን ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ከም በዓል ቻት-ጂፒቲ ክዝቲ’ዩ።
ፕረዚደንት ባይደን ኣብዚ ሰሙን ንምዕሩይን ሓላፍነታዊን ኣጠቓቕማ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝምልከት ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ምፍራሙ ይዝከር።
ቅጥዒ