ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ትማሊ ሰኑይ 30 ጥቅምቲ 2023 ንምዕሩይን ሓላፍነታዊን ኣጠቓቕማ ውጽኢት ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝምልከት ፕረዚደንታዊ መምርሒ ፈሪሞም። እቲ ብገለ ወገናት “ቅድሚ ግዜኡ” ተባሂሉ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፡ ትካላት ቴክኖሎጂ ንውጽኢት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ ዝጥቀማሉ እዋን፡ ንህዝቢ ብዘይ ጎድእ መገዲ ንኽጥቀማ መምርሒ ዝህብ’ዩ።
ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ፕረዚደንታዊ መምርሒ ኣብ ዝፈረሙሉ እዋን፡ “ትስፉው ምዕባለ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ከይዘንጋዕና፡ እቲ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ብሓላፍነታዊ መንገዲ ክንጥቀመሉ ግን ኣዳልዪ’ዩ፡” ኢሎም።
በዚ ተፈሪሙ ዘሎ መምርሒ መሰረት፡ ትካላት ቴክኖሎጂ ውጽኢት ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ናብ ህዝቢ ቅድሚ ምዝርጋሐን፡ እቲ ስራሕ ብዛዕባ ድሕነት ህዝቢ ንዝህሉዎ ቅድመ-መጠንቀቕታ ንትካል መንግስቲ ከካፍላ ዘገድድ’ዩ።
ፕረዚደንታዊ መምርሒ ባይደን ዝፍረም ዘሎ፡ ሓያሎ ወገናት ብኸም በዓል ቻት-ጂፒቲ ዝኣመሰለ ውጽኢት ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝርአ ስግኣት ድሕሪ ምግላጾም’ዩ።
ቅጥዒ