ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኡጋንዳ ንኣስታት 500 ስደተኛታት ካብ እስራኤል ከምትቕበል ኣፍሊጣ


ኡጋንዳ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ኣስታት 500 ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ከምትቕበል ሎሚ ዓርቢ ኣፍሊጣ።

እስራኤ ል ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ኣስታት 35,000 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ናብ ሳልሳይ ሃገር ከምትጥርዝ ካብ ተፍልጥ ጀሚራ ፥ ብወግዒ ስደተኛታት ከትቕበል ዘፍለጠት ኡጋንዳ ኮይና እዚ ድማ ናይ መጀመርይ ጊዜ እዩ።

ሓላፊ ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ኡጋንዳ ሙሳ ኢስዊሩ እቶም ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ቅድሚ ምጥያሶም ዘድልይ ምርመ ራ ከምዝኻየድ ዝሓበሩ ክኾኑ ኸለው መስርሕ ምጥያስ እቶም ስደተኛታት ምስ ካልኦት ትካላት ስደተኛታት ብምትሕብባር ከምዝኻየድ’ውን ኣፍሊጦም።

ኡጋንዳ ንኣስታት 500 ስደተኛታት ካብ እስራኤል ከምትቕበል ኣፍሊጣ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:48 0:00

መንግስቲ ኡጋንዳ ኣቐዲሙ ዝወጸ ሓበሬታት ንምጥያስ ስደተኛታት ካብ እስራኤል ክነጽግ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እስራ ኤል ኣብ ሃገራ ንዝርኸቡ 35,000 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝአተው ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ምዃኖምን ንምስሊ ልምዲን ባህልን ኣይሁድ ኣብ ሓደጋ ዘእትው እዮም ስለዚ ካብ ሃገራ ናብ ሳልሳይ ኣፍሪቃዊ ሃገር ክጥረዙ ምዃኖም ክትገልጽ ዝጸንሓት ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ድማ ቀዳማይ ሚንስትር ቤንጃሚን ነታንያሁ ክልተ ተገራጫዊ መግለጺታት ብምሃብ ንኩነታት እቶም ስደተኛታት ዝያዳ ኣተሓላሊልኽዎ ይርኸብ።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ገለ እስራኤላዊያንን ስደተኛታትን ንውሳነ መንግስቲ እስራኤል ብምቕ ዋም ብተደጋጋሚ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከኻይዱ ጸኒሖም ‘ዮም።

XS
SM
MD
LG