ዋሽንግተን —
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምብራቕ ኮንጎ ንሰራሕተኛታት ረድኤት ካብ መጥቓዕቲ ንምክልኻል ኣራንሺ ዝሕብረን ሄልኮፕተራት መዲቡ። ሰብኣዊ ረድኤት ዘቕርባ ክልተ ሄሌኮፕተራት ብሚልሻ መጥቓዕቲ ከየጋጥመንን ካብ ካልኦት ነፈርቲ ንምፍላይ ሕብሪ ናይተን ነፈርቲ ኣራንሺ ክኾና ተገይረን ኣለዋ።
ኣብ ምብራቕ ኮንጎ M-23 ብዝብል ዝፍለጥ ካብ ተዋጋእቲ ጉጅለታት ሓደ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓዱሽ መጥቓዕቲ ካብ ዝፍኑ ኣትሒዙ ፀጥታ እቲ ዞባ ኣብ ፀገም ወዲቑ ይርከብ።
ካብቲ ህውከት ንዝተመዛበሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስቪላት ሰብኣዊ ሓገዘ ንምቕራብ ብሰንኪ እቲ ውግእ ፀገም የጋጥሞ ኣሎ።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣገልግሎት ኣየር ንክልተ ሄሌኮፕተራት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዳግም ሕብሪ ብምቕያር ኣብዚ ሰሙን ኣቕሪቡ ኣሎ።