ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሚኒሶታ፣ ኣሜሪካ 2 ኢትዮጵያዊያን ተቀቲሎም 1 ብጽኑዕ ቆሲሉ


ክልተ ተወለዲ ኦሮሞ ዝኾኑ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ምንያፓሊስ ሚኒሶታ ብዘጋጠሞም መጥቃዕቲ ክሞቱ ከለው እቲ ሳልሳይ ግና ከቢድ መጉዳእቲ ኣጋጢምዎ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ ፖሊስ እታ ከተማ ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ሚኒሶታ ጆን ኢድለር 'ፖሊስ’ዛ ከተማ ኣብ’ቲ እዋን'ቲ መጥቃዕቲ ንዝነበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣብ ምዝርራብን ምምርማርን ይርከቡ። እንተኾነ ግን ጥርጡራት ካብ’ቲ ከባቢ ከምዝሓደሙን ክሳብ ሕጂ ከምዘይተረኽቡን ኣይሓብኡን።

ፖሊስ መንነት’ቶም ግዳያት ዝኾኑ መንእሰያት ብወግዒ ኣይገለጸን። ዳይረክተር ኮሚኒቲ ብራየን ኮይል ኣቶ ኣማኖ ዱቤ ግና “ሰለስቲኦም መንእሰያት ሙስሊም ተማሃሮ ኮሌጅ ከምዝኾኑን እቲ ምርመራ ቀልጢፉ ክዛዘምን ሬሳ’ቶም ዝሞቱ ክቕበርን ክንገብርን ኢና” ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG