ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ወታሃደራት ኢትዮጵያ ሰለስተ ፖሊስ ኬንያ ቀቲሎም' ጋዜጣታት ኬንያ


'ወታሃደራት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ዓርቢ ንናይ ኬንያ ዶብ ጥሒሶም ብምእታው ንሰለስተ ፖሊስ ኬንያ ቐቲሎም' ክብላ ጋዜጣታት ኬንያ ጸብጺበን።

ፖሊስ ኬንያ ግን እቶም ፖሊስ ዝቐተሉ ዕጡቓት ብደባይ ተዋጋእቲ ኢትዮጵያ እምበር ብወታሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይኮኑን ኢሎም።

'ሓይልታት ኢትዮጵያ ምዃኖም እጠራጠር እየ።ምኽንያቱ ሓይልታት ኢትዮጵያ ክንብል ከለና መንግስቲ ኢትዮጵያ ማለት እዩ።ይኹን እምበር እዚኦም ካብ ወገን መንግስቲ ዘይኮኑስ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ናይ ኦሮሞ ደባይ ተዋጋእቲ እዮም' ይብሉ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኬንያ ቻርለስ ኣዊኖን።

ሓይልታት ጸጥታ እትዮጵያን ኬንያን ኣብቲ ከባቢ ብሓባር ይሰርሑ እዮም ዝበሉ ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ አብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ሓባር ጸጥታ ንምርግጋጽ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ስምምዕ ምህላውን ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG