ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕውታት ማናቱ ኣሓት ለምለምን ትርሓስን


ማናቱ ኣሓት ለምለምን ትርሓስን
ማናቱ ኣሓት ለምለምን ትርሓስን

ኣብ ከተማ መቐለ ብቁልቲ ሸይጠን፣ ሳእኒ ወልዊለንን ሰፍየንን ዝተመሃራ ማናቱ ኣሓት ለምለምን ትርሓስን ብቐዳማይ ዲግሪ ተመሪቐን ። ትርሓስ ካብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ብሞያ መዋልዳን ለምለም ድማ ካብ ሚዛን ቴፒ ዩኒቨርሲቲ ብሞያ ሲቪል ምህንድስና እየን ተመሪቐን።

ለምለም ገብረ ዮሃንስን ትርሓስ ገብረ ዮሃንስን ቅድሚ ሎሚ ኣብ መደብ መናእሰይ ምቕራበን ይዝከር። ሳእኒ ወልዊለንን ሰፍየንን ክሳብ ደረጃ ዩኒኒቨርሲቲ እንትመሃራ ዝረኣዩ ብርክት ዝበሉ ሰባት የተባብዑወንን በብዓቕሞም ይሕግዙወንን ምንባሮም እውን ይዝክራን የመስግናን።

ብፍላይ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ኣይተ ካሕሳይ ኣረቂ ፈተወቲ ዓዶምን ህዝቦምን ኣተሓባቢሩ ዝለኣኸለን ገንዘብ ኣብ ናብራ ስድረአን ዓብዪ ሓገዝ ምፍጣሩ ብምግላፅ ንደቂ ዓደን ዘለዎን ክብሪ ገሊፀን እየን። በቲ ዝተላኣኸ ገንዘብ ዘበናዊ መሳርሒ ውፅኢት ዕንፀይቲ ብምዕዳግ ንእሽተይ ሓወን ሚኪኤለ ገብረዮሃንስ ናይ ገዛእ ርእሱ ስራሕ ከፊቱ ውፅኢታዊ ብምዃን ንወለዱን ኣሓቱን ይረድእ ምህላዉ ይገልፃ።

ለምለም ዓሚ ምስ ተመረቐት ኣብዚ ሰሙን'ዚ ቃል ኪዳን ኣሲራ'ላ፤ ትርሓስ ድማ ተመሪቓ፤ ስድራ እንዳ ገብረ ዮሃንስ ሓጐስ ተጸምቢሉ ቀንዩ። ለምለምን ትርሓስን "ዝዘራእናዮ ዓፂድና ኣለና" ይብላ

ዩኒቨርሲታት መቐለ፣ዓዲ ግራትን ኣክሱምን ኣብ ቀረባ እዋን ልዕሊ 13 ሽሕ ተምሃሮ ብቐዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ከምዘመረቓ ይዝከር።

ኣብ ስነ ስርዓት መርዓ ለምለምን ምረቓ ትርሓስ ዝተረኸበ ግርማይ ገብሩ ንናይ ሎሚ መዓልቲ መደብ መናእሰይ ኣጋይሹ ገይሩ ዓዲምዎን ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዕውታት ማናቱ ኣሓት ለምለምን ትርሓስን
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:54 0:00

XS
SM
MD
LG