ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረ መልሲ ነቲ ፕረ.ትራምፕ ንስደተኛታት ዝተጠቐምሉ ዘይእሩም ቃላት


ግብረ መልሲ እቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንሃገራት ኣፍሪቃን ሄይቲን ዝገለጽሉ ዘይእሩም ቃላት፣ ብዘይምቁራጽ ይውሕዝ’ሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኢሎምዎ ዝተባሃለ ቃላት ኣብ ጋዜጣታት ዘ ዋሽንግተን ፖስት፣ ዘ ኒውዮርክ ታይምስን ቴለቭዥን ሲኤንኤን’ዩ ኣቐዲሙ ወጺኡ።

ትራምፕ ንቀ/ሚ ኖርዌይ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተቐበልሉ እዋን፣ ኣሜሪካ ከም ኖርዌይ ካብ ዝኣምሰላ ሃገራት’ያ ተወሳኺ ስደተኛታት ክትቅበል ዝግባእ ኢሎም።

እንተኾነ ዋይት ሃውስ ነቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ኢሎምዎ’ዮም ዝባሃል ዘይእሩም ቃላት ብዛዕባ ኣፍሪቃን ሄይትን ኣሉታዊ ግብረ መልሲ ክሳብ’ዚ ሰዓት’ዚ ኣይሃበን ዘሎ። ሪፐብሊካዊ ኣባል ኮንግረስ ኢልየና ሮዝ-ሌትነን፣”ትንፋስካ’ዩ ዝሓጽረካ። እዞም ቃላት’ዚኣቶም ካብ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝመጹ ቃላት’ዮም ኢልካ ንምምእማን ንምሕሳቡ’ውን ከቢድ’ዩ። ንኣድልዎን ንሰባት ብማዕረ ትሪኢን ስደተኛታት ካብ ተጋይሽን ሃገር። ካብ ነጻ ሃገር? ፕረዚደንታ ግና ካብ ድኻታትን ዘይጽሩያትን ዝበለን ሃገራት ስደተኛ ክንቅበል ኣይንደልን ይብል ኣሎ።

ኣማሓዳሪ ፍሎሪዳን ሕጹይ ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ዝነበሩ ጀፍ ቡሽ ብትዊተር ሪኢቶ ሂቦም ኣለው። “ፕረዚደንት ኣሜሪካ ብመንጽር ፍርዲ፣ ውሁድ ፖሊሳዊ ውሳነታት ክራኣይ ከሎ ብዘይጥርጥር ዓሰርተ ስዳሮ ንድሕሪት’ዩ ዝወስደና። ዘተስፍዎ፣ ቃላት’ቶም ፕረዚደንት ብጌጋ ዝተዘርቡ’ምበር፣ ንዝሓዝዎ ዘርኣዊ ትርጉም ኣየንጸባርቑን ምባል’ዩ ዝቐለኒ” ኢሎም ።

ቀ/ሚ ሄይቲ ዝነበሩ ለውረት ላሞት እውን ኣብ ትዊተር ዝውጽእዎ ግብረ መልሲ ‘ሸም ኦን ትራምፕ’ ማለት ‘የሕፍርካ ትራምፕ’ ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኮልቪለ ንኣባሃህላ ፕረዚደንት ትራሞፕ ዓሌታዊነት እዩ ድሕሪ ምባል ንጽልኢ ወጻእተኛ ዘተባብዕ ንመነባብሮ ብዙሓት ክጸልው ዝኽእል እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ግብረ መልሲ ነቲ ፕረ.ትራምፕ ንስደተኛታት ዝተጠቐምሉ ዘይእሩም ቃላት
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:52 0:00

XS
SM
MD
LG