ዋሽንግተን —
ናይ ኣሜሪካ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ብህቦብላዊ ዝናብ ( ሁሪካን ሃርቨይ) ዝተጠቅዓ ደቡባዊ ምብራቕ ቴክሳስ ትማሊ ሶሉስ በጺሖም።
እዚ ዑደት ፕረዝደንት ትራምፕ አካል’ቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝህቦ ምላሽ ምኳኑ ንምርኣይ’ዩ። በዚ ህቦብላዊ ዝናብን ምዕልቕላቕ ውሕጅን ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ ትሸዓተ ሰባት ሞይቶም አለው።
ህቦብላዊ ዝናብ ሁሪካን ሃርቨይ ኣብ ታሪክ ኣሜሪካ እቲ ዝበርተዓ ትሮፒካዊ ህቦብላ ሓዘል ዝናብ’ዩ።
ኣብ ከተማ ሁስተን 125 ሰ.ሜ ዝዕምቆቱ ዝናብ ዝሃረመ ምኳኑ ትንበያ ኣገልግሎት ኩነታት ኣየር ገሊጹ’ሎ።