ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ብህቦብላዊ ዝናብ ዝተጠቕዓ ከባቢ ቴክሳስ በጺሖም


ናይ ኣሜሪካ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ብህቦብላዊ ዝናብ ( ሁሪካን ሃርቨይ) ዝተጠቅዓ ደቡባዊ ምብራቕ ቴክሳስ ትማሊ ሶሉስ በጺሖም።

እዚ ዑደት ፕረዝደንት ትራምፕ አካል’ቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝህቦ ምላሽ ምኳኑ ንምርኣይ’ዩ። በዚ ህቦብላዊ ዝናብን ምዕልቕላቕ ውሕጅን ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ ትሸዓተ ሰባት ሞይቶም አለው።

ህቦብላዊ ዝናብ ሁሪካን ሃርቨይ ኣብ ታሪክ ኣሜሪካ እቲ ዝበርተዓ ትሮፒካዊ ህቦብላ ሓዘል ዝናብ’ዩ።

ኣብ ከተማ ሁስተን 125 ሰ.ሜ ዝዕምቆቱ ዝናብ ዝሃረመ ምኳኑ ትንበያ ኣገልግሎት ኩነታት ኣየር ገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፕረ. ትራምፕ ብህቦብላዊ ዝናብ ዝተጠቕዓ ከባቢ ቴክሳስ በጺሖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:44 0:00

XS
SM
MD
LG