ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ኣብ መንጎ ዝቕጽል ዘሎ ህቦብላ ምዕልቕላቕ ውሕጂ ንዝተጠቕዓ ከባቢታት ቴክሳስ ይበጽሑ


ፕረ. ትራምፕ ቴክሳስ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን
ፕረ. ትራምፕ ቴክሳስ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን

ናይ ኣሜሪካ ሃገራዊ ኣገልግሎት ትንበያ ኩነታት ኣየር ‘’ተራእዩ ዘይፈልጥ’’ ቅልውላው ኢሉ ዝፀውዖ፣ ውሕጅ ዘዕለቕለቖም ከባቢታት ቴክሳስን ሉዊዚያናን ሕዚ እውን ብማይ እናተወሓጡ ይርከቡ። ዛጊት እንተወሓደ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም ኣስታት 30,000 ድማ ካብ መንበሪ ገዛውቶም ተመዛቢሎም ኣብ ጊዚያዊ መዕቖቢ ይርከቡ።ኣብ ስርሓት ህይወት ምድሓን ኣብ መንጎ ፌደራላዊን መንግስታት ክፍለ ግዝኣታትን፣ናይ ውልቂ ጉጅለታት ሓገዝ ወሃብትን ተራ ዜጋታትን ዘሎ ምውህሃድን ምትሕብባርን ዝምልከት ሰበስልጣን ናእድኦም ይገልፁ ኣለው።ፕረዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ብሓደጋ ንዝተጠቕዑ ከባቢታት ሎሚ ንምብጻሕ ቴክሳስ ኣትዮም አለው።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ነቶም ከቢድ ውሕጅ ካብ ዘዕለቕለቖም ከባቢታት ቴክሳስ መውፅኢ ስኢኖም ንዝተቐርቀሩ ሰባት ብሄልኮፕተራት ኣቢሎም ትማሊ ሶኑይ ከውፅኡ ውዒሎም ኣለው።ነበርቲ ናኣሽቱ ጀልባታቶም ገይሮም ንጎረባብቶምን መውፅኢ ንዝስኣኑን ከውፅኡ ውዒሎም።ካብቲ ዘዕለቕለቐ ከባቢታት ዝወፁ ነበርቲ ዕግበቶም ከምዚ ክብሉ ይገልፁ።

“ከውፅኡና ብምምፅኦም ዕድለኛታት ኢና፤ካብዚ ዝኸፍአ ምኾነ ነይሩ።ስለዚ ሕጉስቲ እየ።”

ፕረዝዳንት ትራምፕ ኣብ ፃዕርታት ህይወት ምድሓን ንዝተዋፈሩ ትማሊ ሶኑ ናእድኦም ገሊፆም።

“ጎረቤት ንጎረቤት ክሕግዞ ሪኢና፣ዓርኪ ንዓርኩ ክሕግዞ፤ዘይፍለጥ ሰብ ንዘይፈልጦ ክሕግዝ ኣብ ኩሉ ሪኢና።ብቴሌቪዥን ሪኢኹም፤እዚ ዘደንቕ ስራሕን ፍቕርን ሪኢኹምዎ ኣለኹም።”

እቶም ፕረዝዳንት ኣብ ዝተጎድኡ ኽፋላት ቴክሳስን ሉዊዚያናን ምሉእ ሓገዝ ፌደራላዊ መንግስቲ ከምዘይፍለዮም ብምግላፅ ኣብ ናይ ቴክሳስ ፃዕሪ 8,500 ሰራሕተኛታት ፌደራል ይሳተፉ ከምዘለው ሓቢሮም።

“ዳግመ ምትካል እግሪ ነዊሕን ኣፀጋሚን ጉዕዞ እዩ። ፌደራል መንግስቲ ድማ ኣብዚ ብድልውነት ደው ኢሉ ይርከብ፤ነቲ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ድልዊ እዩ።”

ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዛውትን መሰረተ ልምዓትን ዝወረደ ዕንወት ርኡይ እዩ።ሰበስልጣን ግን ቀዳምነት ምድሓን ህይወት ሰባት እዩ ይብሉ።ኣማሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ግሬግ ኣቦት ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ መዓልታት ክጅምር እዩ ኢሎም።

“ዝጠፍአ ሓይሊ መብራህቲ ምዕራይ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ስራሕቲ ምዃኑ ንርዳእ ኢና።ብዘይካ ኤሌክትሪክ ክተሰርሕ ኣይትኽእልን።….መግብን ማይን ንዘድልዮ ኩሉ ምቕራብና እውን ክነረጋግፅ ኣለና።”

ፕረዝደንት ትራምፕ ካብ ኣማሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ሉዊዚያና ጆን ቤል ኤድዋርድስ ብዝቐረበሎም ሕቶ ትማሊ ሶኑይ ህፁጽ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣፅዲቖም ኣለው።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ዕላዊ ዝገበሮ በጀት ንፕሮግራማት ህፁፅ ሓገዝ ናይ ፌደራልን ንግድያት ውሑጅ ዝውሃብ ረድኤትን ዓብዪ ምጉዳል ገይሩ እዩ።ፕረዝዳንት ትራምፕ ግን ኣብ ቴክሳስን ሉዊዚያናን ንዳግመ ሕውየት ወይ ምትካል እግሪ ዝውዕል ብኮንግረስ ዝፀድቕን ቢሊዮናት ዶላር ከድልይ እዩ ኢሎም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG