ዋሽንግተን —
ዶናልድ ትራምፕ ተዋጋእቲ ሶርያ ንፕረዚደንት ባሻር ኣል-ኣሳድ ካብ ስልጣኖም ድሕሪ ምብራሮም ኣብ ሶሪያ ኢዶም ከም ዘየእትው ምልክት ይህቡ ኣለው።
ሶሪያዊያን ፕረዚደንት ባሻር ኣል- ኣሳድ ካብ መዝነቶም ድሕሪ ምውዳቖም ናብ ሞስኮ ምህዳሞም ሕጂ'ውን ታሕጓሶም ይገልፁ ኣለው። ዞባዊ ሓይልታት ረብሓታቶም ንምርግጋፅ ይቃለሱ ኣብ ዘለውሉ ግን መፃኢ ናይታ ሃገር ንፁር ኣይኮነን።
እስራኤል ብደቡብባዊ ክፋል'ታ ሃገር ዝተረፉ መሻርክቲ ኢራን ንምድኻም ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዳ። ብሰሜን ድማ ብቱርኪዬ ዝደገፉ ዓመፅቲ ግዝኣታት ብምቁፅፃር ኩርዳዊያን ክሃድሙ ኣገዲዱ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ውሽጢ ሶሪያ ንዝርከብ ጉጅለ ዳዕሽ ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዶም።
ቅጥዒ