ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬ. ትራምፕ ክልቲኦም ወገናት ንህውከት ሻርሎትስቪል ተሓተቲ እዮም ኢሎም


ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሻርሎትስቪል ቨርጂኒያ ንዝነበረ ህውከት ክልቲኦም ወገናት ተሓተቲ እዮም ኢሎም።ብቕድሚ ትማሊ ሰኒ ግን ንደገፍቲ ናዚን ፍፁም ልዕልነት ፀዓዱን ብውጋዝ ሽም ነዚኦም ንምቅዋም ዝወፁ ኣይፀርሑን ነይሮም።

ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ንፍፁም ልዕልነት ፀዓዱ ዝተሰለፉን ንዕኦም ንምቅዋም ዝወፁን ‘’ክልቲኦም ወገናት ክንቀፉ ኣለዎም’’ ክብሉ ተሓተቲ ገይሮምዎም ኣለው።

ትማሊ ሰሉስ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ መንጎ እቶም ፕሬዝዳንትን ደጋፊ ናዚ፣KKKን ንፍፁም ልዕልነት ፀዓዱ ዝንቀሳቐሱን ብሽም ንምፅራሕ ስለ ምንታይ ክልተ ማዕልታት ከምዝወሰደሎም ንምፍላጥ ዝሓተቱ ጋዜጠኛታትን ብዓውዓውታ ናብ ዝተዓጀበ ግጥም እዩ ተለዊጡ።

እዞም ጉጅለታት ሓውልቲ ናይ ኮንፈደሬት ጀነራል ሮበርት . ንምልዓል ዝውሰድ ስጉምቲ ንምቅዋም ኣብ ሻርሎትስቪል ዝሓለፈ ቀዳም ዝተኣከቡ ነይሮም።

ናይ ናዚ ደጋፊ ከምዝኾነ ዝጥርጠር ሓደ መንእሰይ መኪንኡ ናብቶም ንዘርኣዊያን ንምውቃም ናብ ዝተኣከቡ ሰባት ብምዝዋር ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀቲሉ ንካልኦት እውን ኣቑሲሉ።

ሪኢቶታት ትራምፕ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልቲኦም ፖለቲካዊ ፓርትታት ካሊእ ዙር ነቐፌታ ወሊዑ’ሎ።ሪፓብሊካዊ ጆን ሚኬይን ኣብ መንጎ ዘርኣዊያንን ፀረ ፅልእን ንዕቀትን ደው ዝበሉ ኣሜሪካዊያን ሞራላዊ መዳርግቲ የለን ኢሎም ኣብ ናይ ቲዊተር መልእኽቶም።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG