ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ናብ ሓባራዊ ስምምዕ ዘእተወ ውልቃዊ ሓበሬታ ረኺባ'ያ ንዝብል ምሩጽ ፕረዝደንት ትራምፕ ነጺጎምዎ


ሩስያ ኣብ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ምትእትታው ከምዝገበረት ንመጀመርያ ግዜ ዝአመኑ ምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ሩስያ ናብ ስምምዕ ዘእተወ ውልቃውን ፋይናንሳዊን ሓበሬታ ዶናልድ ትራምፕ ኔርዎ ንዝብል ሪፖርት ግን ሓሶት’ዪ ኢሎም ኣለው።

ምሩጽ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ረቡዕ ንመጀመርያ ጊዜ ካብ ዝምረጹ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሩስያ ናብ ሓባራዊ ስምምዕ ዘእተወ ውልቃዊ ሓበሬታ ረኺባ ንዝብል ዘይጭቡጥ ሓበሬታ ስለያ’ዩ ክብሉ ነጺጎምዎ’ለው።

ምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ንምትእትታው ሩስያ ኣብ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ብምእማን ምስ ፕረዝደንት ሩስያ ብላዲምር ፑቲን ምሕዝነት ምምሕያሽ ግን ጸጋ ምበር ጌጋ ክውሰድ የብሉን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG