ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምዕራፍ ምምሕዳር ኦባማ ተዛዚሙ፣ ሓድሽ ምዕራፍ ትራምፕ ይኽፈት


ፕረዝደንት ኦባማ ምስ ምሩጽ ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተራኸብሉ ሕዳር 10,2016
ፕረዝደንት ኦባማ ምስ ምሩጽ ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተራኸብሉ ሕዳር 10,2016

ንዝሓለፉ 8 ዓመታት ናይ ዓለምና ኣዝዩ ሓያል መንግስቲ ኣሜሪካ መራሒ ዝነበሩ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ፣ ሻንጣኦም ጠቅሊሎም ካብ ቤተ መንግስቲ (ዋይት ሃውስ) ዝወጹሉ ሰዓታት ብኣጻብዕቲ ዝቁጸራ ኮይነን ኣለዋ። ተካኢኦም ተመራጻይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ጽባሕ ቀትሪ ቃለ መሓላ ክፍጽሙ’ዮም። እዋን ስግግር ስልጣን ኣሜሪካ ብዓይኒ ክልተ ኣጋይሽ ንምርኣይ ተፈቲኑ’ሎ።

ኣቶ ዳንኤል ኣበበ ‘ፕረዚደንት ኦባማ ልዕሊ ትጽቢትና ሰሪሖም’ ኢሉ ከሞግሶም ከሎ ኣቶ ካሕሳይ ግና ‘ስራሕ ኦባማ ብታሪኽ ፍርዲ ክረክብ’ዩ፣ እንተኾነ ሕጊ ክንክን (ኦባማ ኬር) ከቢድ ፋይናንሳዊ ጾር’ዩ ኣውሪዱልና’ ይብል። ‘ኦባማኬር ብምምሕዳር ትራምፕ ክቅይር’ዩ ዝብል ስግኣት ኣብ ቦትኡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ዛዛሚ ሰዓት ስልጣኖም ኣብ ልዕሊ ሱዳን ተነቢሩ ካብ ዝነበረ እገዳ ንገለ ክፋሉ ንክላዓል ወሲኖም’ዮም። ምስ ሩስያ ድማ ኣብ ሓያል ምስሕሓብ ኣትዮም ነይሮም።

ብዛዕባ ምምሕዳር ኦባማን ሓድሽ ምምሕዳር ትራሞን ዝምልከት ዝተኻየደ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምዕራፍ ምምሕዳር ኦባማ ተዛዚሙ፣ ሓድሽ ምዕራፍ ትራምፕ ይኽፈት
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:57 0:00

XS
SM
MD
LG