ዋሽንግተን —
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንመምርሒታትን ኣገባባትን እቲ ቦርድ ኣይተኸተለን ብምባል ንሰለስተ ኣዋርሕ ድሕሪ ዘንበሮ ክልከላ፡ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ሎሚ ምላሽ ሂቡን ንውሳነ ተቓዊሙን። ኣብቲ ሎሚ ዓርቢ ዝወጽአ ምላሽ፡ ህወሓት ከም ፈራሚ ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ መጠን ሕጋዊ ሰውነቱ ዝምለሰሉ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ፈደራል መንግስቲ ምርድዳእ ኣብ ዝገብረሉ እዋን ብወገን ቦርድ ምርጫ ዝተዋህበ ስጕምቲ ንዝዀነ ኣካል ዘየርብሕ’ዩ ክብል ገሊጹ። መግለጺ ህወሓት ኣስዒቡ፡ ቦርድ ምርጫ “ናብ ቴክኒካዊ ጉዳይ ኣውሪዱ ኢዱ ብምእታው ክባላሾ እንተ ደኣ ጌሩ ተሓታቲ ኣካል” እቲ ቦርድ እምበር ህወሓት ከም ዘይኰነ ኣስሚሩ።
መግለጺ ህወሓት ኣብ መወዳእታ ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ክትግበር ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምሕንጽናታኡ ኣቕሪቡ ኣሎ።
ቅጥዒ