ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ክልከላ ኣንቢሩ


ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብመምርሒታትን ኣዋጃትን እቲ ቦርድ ክኸይድ ኣቕሪበሉ ድሕሪ ዝበሎ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ኣይተግበረን ስለ ዝበለ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኸይድ ክልከላ ከም ዘንበረሉ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ቦርድ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡ ህወሓት፡ ድሕሪ ምምሕያሽ ምዝገባ ኣባልነት፡ በቲ ቦርድ ዝኣመሞ ኣገባባት ጉባኤ ከም ዘየከየደ ይኸስስ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ እዚ ውሳነ ካብ ዝሓለፈሉ ጊዜ ጀሚሩ ንሰለስተ ኣዋርሕ ህወሓት ዝኾነ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ከየካይድ ክልከላ ኣንቢሩ ኣሎ። ህወሓት ነቲ ዝተባህሎ ጠለባት ኣብቲ ዝተዋህቦ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ግዜ ምስ ዘተግብር፡ ደጊሙ ስራሕቱ ክቕጽል ምዃኑ ዘመልከተ መግለጺ ቦርድ ምርጫ፡ ንሱ ምስ ዘይፍጸም ግን እቲ ውድብ ከም ፖለቲካዊ ፓርቲ ክስርዞ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

እዚ ዜና ክሳብ ዝዳሎ፡ ኣብዚ ጉዳይ ብወገን ህወሓት ዝተዋህበ ምላሽ የሎን። ኣቐዲሙ ብኮሚሽን ቍጽጽር እቲ ውድብ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽአ መግለጺ ግን ከም ፈራሚ ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ሕጋዊ ሰውነቱ ክምለሰሉ እኳ እንተ ሓተተ፡ እቲ ቦርድ ግን ካልእ ጓል መንገዲ መፍትሒ ከም ዘምጽአ ብምኽሳስ፡ እቲ ቦርድ ዘሕልፎ ውሳነ ቅቡልነት ከም ዘይብሉ ሓቢሩ ነይሩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG