ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት ብመንግስቲ ኬንያ ንዝካየድ ዘተ ሰላም ዝውክል ጕጅለ ምምዛዙ ይሕብር


ወሃብ-ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ - ፋይል
ወሃብ-ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ - ፋይል

ገዛኢ ውድብ ክልል ትግራይ ዝዀነ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት)፡ ብመንጎኝነት መንግስቲ ኬንያ ኣብ ዝግበር ዘተ ሰላም ንምስታፍ ኮሚተ ምምዛዙ ወሃብ-ቃል እቲ ውድብ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣመልኪቶም።

እዚ ዜና፡ ሓደ ሰሙን ድሕሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዝመዘዞ ኣካል ቀዳማይ ርክቡ ምቅናዑ ድሕሪ ምሕባሩ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣብ መንጎ ክልተ ኣካላት ዘሎ ፍልልይ ግን ገዛኢ ውድብ ብልጽግና ብሕብረት ኣፍሪቃን ኦሊሰገን ኦብሳንጆን ዝምራሕ ዘተ ሰላም ክቕበል እንከሎ፡ ብወገን ትግራይ ግን ብመንጎኘንት ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ዝምእከል ከም ዝቕበሉ ጥራይ የመልክቱ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ዝርዝር ኣብታ ኮሚተ ተሓቚፎም ዘለዉ ውልቀ-ሰባት ከይጠቐሱ፡ እቲ ልኡኽ ንኬንያ ክሰዱ ድሉዋት ምዃኖም ክሕብሩ እንከለዉ፡ ናብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ምልኣኽ ግን ኣድላይነቱ ከም ዘይርኣዮምን ሓለፍነት ዝጐደሎን’ዩ ክብሉ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሮም። ከም ኣገላልጻ ኣይተ ጌታቸው፡ ኡሁሩ ኬንያታ ካብ ፈለማ ንዘተ ሰላም ከም ዝሰርሑ መጠን ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ክህሉዎም ኣገዳሲ’ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG