ዋሽንግተን —
ቦርድ ምርጫ ብመሰረት ዝተመሓየሸ ምዝገባ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ብፍሉይ ኩነታት ምምዝጋቡ ካብ ዝፍለጠሉ 6 ነሓሰ 2016 ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ተዓዘብቲ’ቲ ምርጫ ቦርድ ኣብ ዝተረኽብሉ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ’ሎ።
ቦርድ ምርጫ ኣብቲ ሎሚ ዘውጽኦ መግለጺ እዚ ምስ ዘይኸውን ግን ቦርድ ምርጫ ዝግባእ ዝበሎ ውሳነ ከምዘሕልፍ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
ነዚ ብዝምልከት ክሳብ እዚ ዜና ዝተፈነወሉ ጊዜ ካብ ህወሓት ምላሽ ኣይተወሃበን። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ ኣከራኻሪ ጉባኤ ህወሓት ብቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከም ዘይተዋህቦ ይዝከር። ኣብ ዝቕጽል መደባትና ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ መግለጺ ከነስዕብ ኢና።
ቅጥዒ