ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓስራይ ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ተዛዚሙ


ካብ ዻጉሜን 1 ክሳብ 4 ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ 10ይ ውድባዊ ጉባኤ 45 ማእከላይ ኮሚቴ ዝተመረጹ እንትኾን ካብቶም ዝነበሩ 8 ተሰናቢቶም። ሓደ ካብቶም ንህወሓት ዘጣየሹ ኣይተ ስብሓት ነጋ ብዕድመ፡ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ፍስሃ ዘሪሁን ብሰንኪ ጥዕና ምስኣን ዝተረፉ 6 ድማ ብገዛ ፍቓዶም ተሰናቢቶም ኣለው።

ኣይተ መለስ ዜናዊ ሎሚውን ኣቦ ወምበር ኮይኖም ኣለዉ። ምክትሎም ኣይተ ኣባይ ወልዱ ኮይኖም ተመሪፆም።ምክትል ኣቦ-መንበር ህወሓት ዝነበሩ ኣይተ ስዩም መስፍን ከምኡውን ኣይተ ኣባይ ፀሃየ ድማ ካብ ፈጻሚ ስራሕ እቲ ውድብ ወፃኢ ኮይኖም።

ወላ እውን ናይ ኣይተ መለስ ምምራጽ ርዱእ እንተነበረ ኣብ ካልኦት ግና ለውጢ ኣመራርሓ ክህሉ እዩ ዝብል ትጽቢት ነይሩ።

XS
SM
MD
LG