ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይጀርያ ናብ ዙር 16 ምሕላፋ ተረጋጊፁ


Nigeria V Argentina
Nigeria V Argentina

ፅዋዕ ዓለም ብራዚል 2014 ሎሚ ረቡዕ ክልተ ግጥማት ኣተኣናጊዱ‘ሎ። ምሕላፈን ንከረጋግፃ ዝተፃወታ ኣርባዕተ ጋንታታት ኣርጀንቲና፣ናይጀርያ፣ ቦስንያ-ሄርዘጎቭንያን ኢራንን‘የን።

ብመሰረት‘ዚ፣ኣርጀንቲና ብልዮኔል ሜስይ ክልተ ሸቶታት ኣቁፅራ፣ እንደገና ናይ ተኸላኻላይ ኣርጀንቲና እግሪ ተላቲማ ሳልሰይቲ ሸቶ ብዕድል ኣቁፂራ። ካብ’ቲ ምድብ ቀዳመይቲ ኮይና ሓሊፋ‘ላ።

ጋንታ ናይጀርያ ብቁፅሪ ሸውዓተ ኣሕመድ ሙሳ ክልተ ሸቶታት ኣቁፂራ ሰለስተ ንክልተ ተሳዒራ ናብ ቀፃላይ ምዕራፍ ሓሊፋ‘ላ።ፈረንሳይ ክትከውን‘ያ ቀፃሊት መጋጥምታ።

ሓደ ተሰላፊኣ ብቀይሕ ካርድ ዝተባረራን ብዓሰርተ ሰባት ንክትፃወት ዝተገደደትን ኢኮዶር ምስ ፈረንሳይ ዜሮ ንዜሮ ተፈላልያ፣ሆንዱራስ ብስዊዘርላንድ ሰለስተ ንዜሮ ተሳዒራ።እዚ ማለት ፈረንሳ ቀዳማይ፣ስዊዘርላንድ ካልኣይ ኮይነን ሓሊፈን‘ለዋ።

ፅባሕ ኣሜሪካ ምስ ጀርመን፣ፖርቹጋል ምስ ጋና፣ደቡብ ኮርያ ምስ ቤልጀም፣ኣልጀርያ ምስ ሩስያ‘ዩ።

XS
SM
MD
LG