ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድልያ ሳብማሪን በጻሕቲ ታይታኒክ ተስፋ ይሰኣኖ


ፋይል
ፋይል

ንስብርባር መርከብ ታይታኒክ ንምርኣይ ናብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዝጠሓሉ ሓሙሽተ ዜጋታት ብሰንበት ድሕሪ ምስዋሮም፡ ብህይወት ናይ ምርካቦም ተስፋ እናተጸንቀቐ ይመጽእ ከም ዘሎ ኣብቲ መስርሕ ምድላይ ዝነጥፉ ኣካላት ገሊጾም።

እታ ሳብማሪን ጸይራቶ ዝነበረ ኦክስጅን ሎሚ ሓሙስ ክጽንቀቕ ከም ዝኽእል ዝሓበሩ ኣወሃሃድቲ፡ ኵሉ ዝከኣሎም መሳርሒታት ብምጥቃም ክፍትሹ ምጽናሖም ብምግላጽ፡ ሕጂ ግን እቲ ስራሕ ተስፋ ከም ዝተሳኦኖ ኣመልኪቶም።

ንስብርባር ታሪኻዊት መርከብ ታይታኒክ ንምርኣይ ናብቲ ፍሉይ ተልእኾ ብሳብማሪን ዝኣተዉ ሓሙሽተ ተጓዓዝቲ፡ ነፍሲ-ወከፎም 250-ሽሕ ዶላር ከም ዝኸፈሉ ይፍለጥ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG